|
Proverb,Description |
|
አቦይ ኣይትሕለቡ ዝብል ንገዝመይ ፥፤ አደይ ሕለቡ እትብል ንጐምቦይ,ኣቦን ኣዶን ዝተፈላለየ ነገር እዮም ዝሓስቡልካ |
|
ኣቦ መፀውዒ፥ ሰፍኢ መቐውዒ,ኣቦ ብዙሕ ኣብ ሂወት ውላዱ ኣይግደስን |
|
ኣብዑር ነዳይ ፥፤ለይቲ ብዙሕት,ብለይቲ ዝስመዐካ ስምዒት ምሉእነት ዝተጋነነ እዩ |
|
ኣብ ኢድ ወዲ ሓላልካ የውድቐልካ,ፈታዊኻ ኣይጭክነልካን እዩ |
|
እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻን ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካን,መንግስቲ ስርዓት ክህሉ ወሳኒ እዩ |
|
ጋሻ ካብ ድራሩስ ምድቃሱ,ጋሻ ካብ ዝበልዖ ነገር ዝድቅሰሉ የሕስበካ |
|
ቆልዓን ንጉስን ዝብሉዎ ይገብር,ቆልዓን ንጉስን ዝደለይዎ ይግበረሎም |
|
ካብ መርዓ በዓለገ ፍትሕ ጭዋ ይሓይሽ,ናይ ሰብ ዋና ነገር ባህርያቱ እዩ |
|
ቁማልጫ ስረኻ የፍትሕ,ንእሽተይ እዩ እልካ ኣይትንዓቆ |
|
ኣብ ርእሲ ኣላታ ፡ ተወሰኸታ,ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝግጥም ፀገም |
|
በላዒ ከሎ ዘራኢ ይሕጎስ,ዝሰርሕ ሰብ ይሕጎስ |
|
ኣብ ሕሱም ብዕራይ ውዒልካ ኣብ ሕስምቲ ሰበይቲ ኣይትእቶ,በዓልቲ ቤት ደኺሙ ንዝወዓለ ሰብኣይ ብፍቕሪ ክትቕበል ኣለዋ |
|
ኣብ ኣዲኣ ዝለመደቶ ኣብ ሓማታ ደገመቶ,ከም ኩነታቱ ክትከይድ ኣለካ |
|
ንጉስ ክትረክብ ትናገር ፡ ውሕጅ ክዛሪ ተሻገር,ምቹው ኹነታት ምስረኸብካ ሓሳብካ ተግብሮ |
|
ኣብ ብልዒ ብዙሓት ፡ ኣብ መላእኸቲ ጥምዙሓት,ሰብ ኣብ ጥቕሚ ጥራሕ እዩ ዝተኣኻኸብ |
|
ኣብ ልዕሊ ዘሎካ እንተዝውስኹኻ፡ አብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝመኸሩኻ,ተወሳኺ ነገር ፅቡቕ እዩ |
|
ሓደ ከይበልካ ክልተ የለን,ካብ መጀመርትኡ ጀምር |
|
"ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ ፡ አብ ርእሲ ሃብትኻ እንተዝውስ |
|
ኹካ",ኣብ ዘላካ ተወሳኺ ምርካብ ኣይፅላእን |
|
ኣብ ርእሲ ኣደ ሓትነ ኣብ ርእሲ ነፀላ ዲኖ ፡ ረጐደ,ኣብ ዘላካ ተወሳኺ ምርካብ ኣይፅላእን |
|
ኣቲ መን በሊዕዎ እቲ ሓኸለ? ወዲኻይዶ ኣይንሀን ዝኣኸለ,ዝጎበዘ ወዲ እቲ ዝበለፀ እዩ ዝወስድ |
|
ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ደቅስ,ሓቀኛ ሰብ ኣብ ምንም ቦታን ግዜን ስግኣት የቡሉን |
|
ኣብ ምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ድቃስ፡ኣታ እዛ ናይ ድቃስ ዘይተደቅስ,ብምሉእ ዘይስማዕኻዮ ሓበሬታ ይሀንጥየካ እዩ |
|
ቁሪ ሰሜን ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቓቹፍ,ሽግር ምስዘይፈታዊኻ የቀራርበካ |
|
እዝጊ እዝጊ ኣይትበል እዝጊ ዝፈትዎ ግበር,ናይ ተግባር ሰብ ኩን |
|
ግረፍ'ሞ ካብ እግሪ ኣይትሕለፍ,ንዝትገብሮ ነገር ኣስተውዕል |
|
ማይ ከይመፀ ፡ መገዲ ማይ ዕረግ,ተዘጋጆ |
|
ጠሚትካ ተናገር ፡ ሓምቢስካ ተሳገር,ኣስተውዕል |
|
ሓዊ እንተተደጎለ ዝጠፍአ ይመስል,ስቕ ስለ ዝበለ ጠፍኡ ማለት ኣይኮነን |
|
ልቢ ሰብ ክትምርምር ብናትካ ጀምር,ቅድሚ ካልኦት ምንቃፍካ ብባዕልካ ጀምር |
|
ኣቦኹም ገዲፍኩምስ ፥ ኣቦና ኣቃብሩና,ቅድሚ ንኻልኣት ምሕጋዝኩም ናይ ባዕልኹም ጉዳይ ወድኡ |
|
ሃበኒ ህበይ ይገብር,ምልማን የንዕቐካ እዩ |
|
ካብ ሓምሳ ፅንጉለ ሓንቲ ለሚን,ካብ ብዙሓት ዘይረብሓ ሓንቲ ጠቓሚት ይምረፅ |
|
ቄርበት ተኸዲንካ ዝብኢ ውጋእ,ለነገር መስልኻ ቅረቦ |
|
ኣባ ጉንባሕ ዘይግራቱ ይኾልል ሕማቕ ሰብኣይ ነመንዝራ የዕልል,ካብ ሓዳርካ ወፃኢ ምኻድ ፅቡቕ ኣይኮነን |
|
ኣብ ርእስኻን ከም ጠስሚ ኣብ እግርኻን ከም ሳእኒ,ኣብ ኩሉ ምቹ ዝኾነ ኩነታት |
|
ኣርሓ ነርሓ እንተተዳፍኡ በዓል ጐፋፍ መፋፍ ይጉድኡ,ግጭት ፖለቲከኛታት ዝበዝሕ ድኻ እዩ ዝጎደእ |
|
ንጉስ ካብ ዝሞቱ ብመን ይማጎቱ,መንግስቲ ክህሉ ከሎ እዩ ሽግራት ዝፍታሕ |
|
እግርን ማአለማን ፡ በበይኑ ምዓሉ,ዘይምስምዕማዕ |
|
እግርን ከበሮን በበይኑ ምዓሉ,ዘይምስምዕማዕ |
|
ኣቦ ኸሎ ለግስ ፤ብርሃን ከሎ ገስግስ,ክትገብር እናኸኣልካ ከለኻ ግበሮ |
|
ቂም ሒዝካ ፀሎት ቁምነገር ሒዝካ ተረት,ንዓላማኻ ዝቃረን ነገር ሕዝኻ ኣይቲስራሕ |
|
ኣብ ሕፀኣ ዘዋረረት ፡ ኣብ መርዓኣ ተቃትል,ምስ እተጨቓጭቕ ሕፅይቲ መውስቦ ክትቕፅል የብልካን |
|
ኣብ ጥፉእ ፡ ኣይትዛረብ ክፉእ,ኣብ ዝኾነ ነገር ሕማቕ ኣይትዛረብ |
|
ካብ ሃገራ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ,ቕድም ቕድም ኣይትበል |
|
በሃም ኣይመዓድ ዝሞት አይፀዓድ,ንዝተበላሸወ ነገር ኣይትድኸመሉ |
|
ቁልምፅ በልያ ፡ ከይችቕድመኪ,ከይተቐደምካ ቐድም |
|
ጋዕሲ ኣይኸውን ብዘይ ርእሲ ከብዲ አኣይድልድል ብዘይ ፈርሲ,ነገር ብዘይ መሰረት ኣኸዉንን |
|
ኣብ ቅድሚ ስራሕ ኣይትዕናሕ ኣብ ቅድሚ ኣንበሳ ኣይትግናሕ,ስራሕ ክቡር እዩ |
|
ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይዛረቡ ዋዛ ኣብ ቅድሚ ቁልዓ ኣይቐርሱ ሃንዛ,ትገብሮም ነገራት ነቶም ዘለዉ ሰባት ዝምጥን ክኸውን ኣለዎ |
|
ቃል ንጉስ ኣይሕሶ ዳጉሳ አይብሶ,ከኸዉን ዘለዎ ነገር ጥራሕ ግበር |
|
ንፋስ ክለዓል ሓዊ ኣይፅሕርዎን,ንነገር ኣብዘይ ትኽክለኛ ሰዓት ከይትገብሮ |
|
ኣብ ዝተኾብካሉ ሃገር ፡ ተተኹብካ ኣይትሕደር,ክብረትካ ዝቕንስ ነገር ክትገብር የብልካን |
|
ኣብ ዝኾራዕካሉ ሃገር ፡ ተቓባጢርካ ኣይትንበር,ክብረትካ ዝቕንስ ነገር ክትገብር የብልካን |
|
ኣብ ዘሎ ነገር ፤ ኣብ ዘሎ ማህገር,ግጭት ካብ ምብእኣስ ክትቍጠብ ኣለካ |
|
ኣብ ዕዳጋ ዘይፈሱ ፡ መወፅዒ ነብሱ,ንሂወትካ ኣገዳሲ ነገር ካብ ምግባር ኣይተምንትእ |
|
ንፉዕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ደም፡ ሕማቕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ሀደም,ጀግና ክትበሃል ኢልካ ዘየድሊ ዋጋ ኣይትኽፈል |
|
ኣብ ኢድካ ኸላ ኣይትስደዳ ንቐላ,ዕድል ክተባኽን የብልካን |
|
"ኣብ ቄልቋል ኣሚንካ ኣይተፅልል ጓና ፈተወኒ ኢልካ ሓውኻ |
|
ኣይተቕልል",ኣብ ዘየተኣማምን ነገር ኣይትመርኰስ |
|
ጌርካ ንዘይትኸእሎ ፀላእየይ ኣይትበል,ዘይትዉድኦ ነገር ኣይትጀምር |
|
ኣብ ከብዲ ከልቢ ፡ ነይሓድር ጠስሚ,ኣብ ዘይእመን ሰብ ክባር ነገር ኣይተቐምጥ |
|
ቅንኢ ምስ ፍቕሪ ፡ ሰዓል ምስ ፍግሪ ፡ዘይሰልጥ ግብሪ,ምስእቲሰርሖ ዘይከይድ ነገር ኣይትግበር |
|
ቃል ንጉስ ነውሐ ኢልካ ኣይተሕፅርሮ ሓፀረ ኢልካ አይተንውሖ,ክስተኻኸል ዘይክእል ነገር ኣይተስተኻኽል |
|
ኣብምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ስዋ ናይስዋ ሓሸውሸዋ,ሰቲኻ ዝዝረብ ዝንቡዕ ሓበሬታ እዩ |
|
ንፋስ ዘይብሉ ዓውድን ሽማግለ ዘይብሉ ዓድን ዋጋ የብሉን,ሽማግለ ግርማ ዓዲ እዩ |
|
ኣብ ምልሕላሕ ነፍሱ ፡ ኣብ ምስያብ ርእሱ ቈልዑ ዝሓድግ ኣባኢሱ,ኣረጊት ዘተዓርቕ ነገር እዩ ክገብር ዝግበኦ |
|
ጊዜ ዘይብሉ የልቦን ካብ ዕድሉ ዝሓልፍ የልቦን,ኹሉ ሰብ ናይባዕሉ ዕድል ኣለዎ |
|
ቅንጨስ ክውለድ ፍርቂ መለሊኸ,ነገራት ኣብ መጀመርያኦም ንእሽቶይ እዮም |
|
ሃብታም ብገንዘቡ ድኻ ብጥበቡ ይቀራረቡ,ኩሉ ሰብ ናተይ ዝብሎ ነገር ኣለዎ |
|
ሃብታም ብወርቁ ድኻ ብጨርቁ ኩሎም ይጭነቑ,ኩሉ ብዘለዎ ይጭነቕ |
|
ፈላሲ ኣብ ደብሩ ኣንበሳ ኣብ ዱሩ,ኩሉ ነገር ኣብ ቦትኢ ይጥም |
|
ቆቢዕ ንመነኩሴ ፍልጠት ንስላሴ,ነገር ንዝጥቀመሉ ክወሃብ ኣለዎ |
|
ቄልዓ ብዘይ ወላዲት ገዛ ብዘይ ጉልላት,ኩሉ ሃልዩካ እቲ ዋና ነገር እንተዘይሕዝካ ዋጋ የብሉን |
|
ቆቢዕ ንፈላሲ ፡ ክሲ ንኸሳሲ,ነገር ንዝምልከቶ ክኾን ኣለዎ |
|
ካህን ኣብ መቕደሱ ንጉስ ኣብ ኣደራሹ,ኹሉ ኣብ ቦትኡ እዩ ከኸዉን ዘለዎ |
|
ኣብ መረብ ፅግኢ የብለይ ፡ ምሰ'ንበሳ ፅልኢ የብለይ,ናይ ቆላ ሕርሻ ከቢድ እዩ |
|
ኣቦ ኣይቕፃዕ ፥ ሰማይ አይውፃእ,ኣቦ እንትቐፅእ ብኸብዱ እዩ |
|
መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ,መጀመርያ ክትገብሮ ዘለካ ግበር |
|
በሃር የፀቢ ንዳሓር,ክብደት ምውሳኽ ድሕሪት እዩ ዘትርፍ |
|
ንፈታዊ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ,ንዝሓገዘካ ኣፍልጦን ክብሪን ሃብ |
|
ልዕሊ ብጾታ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ,ካብ መሓዙትካ ቐድምካ ኣብ ዓይኒ ኣይትእቶ |
|
እዝጊ ዘየርክቦን ማይ ዘየጠልቅዮን የልቦን,እግዝኣብሄር ዘይከኣሎ ነገር የለን |
|
እዝጊ ዘይኣምን ኣረ ደብሪ ፣ በዓቲ ተደጊፉ ይሓድር,እግዝኣብሄር ዘይፈቐዶ ዝኸዉን ነገር የለን |
|
እዝጊ ዝፀልኦ ብዕራይ ፡ ምስ አጣል ይጓሰ,ምስ መዋዕልትኻ ክትውዕል ኣለካ |
|
እዝጊ ዘይባረኾ ቀሺ ነይከውን,እግዝኣብሄር ዘይፈቐዶ ዝኸዉን ነገር የለን |
|
ኣብ ከብዲ ዘሎ እዝጊ ይርአዮ ፡ ኣብ ዓይኒ ዘሎ ሰብ ይርእዮ,ብዛዕባ ብቅሉዕ ዘይተገለፁ ነገራት ምንጋር ትኽክል ኣይኮነን፣ ብዛዕባ ዝረአ ነገር ግን ይከኣል። |
|
ደምበ ሕፀር ፡ ኣሓ እዝጊ ይህበካ,ንስኻ ስራሕሞ እግዝኣብሄር ድማ የሳኽዐልካ |
|
ኣብ ንጉስ ዝኣቱ መዓርን ኣብ ኣረጊት ዝኣቱ ሰዓልን ኣብ ዘዘለዎ ይውዕል,ፅቡቕ ነገር ንዓቕሚ ዘለዎ ሕማቕ ነገር ድማ ድኽመት ንዘለዎ እዩ ዝኸውን |
|
ንጉስ ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይጐርሱ ንጉስ ዘይብሎም ፀናፁ ግምቢ ይልሕሱ,መንግስቲ ስርዓት ክህሉ ይገብር |
|
ኣብ ንጉስ ዝሓድር ኣዲኡ ነይቀብር,ስራሕ መንግስቲ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ክትሳተፍ ኣየኽእለካን እዩ |
|
ልብን ሳዕርን እናሓደር ይበቁል,ዕብየት ቀስ ብቀስ እዩ |
|
ኣቐዲምካ ምስጋና ንደሓር ምሕማይ የሸግር,ችኩል ድምዳመ ፅቡቕ ኣይኮነን |
|
ኣብ ሸውዓተ ኣንድድሞ ኣብ ዝሞቐካ ስሓን,ብዙሓት መማረፂታት ክህልወካ ኣለዎ |
|
ንጥዕና ኣይገብርዎ ሃብቲ ንመጥሓን ኣይገብርዎ ከብቲ,ጥዕና ስለዘለካ ጥራሕ ክትዓግብ ኣይግባእን፣ ሃፍቲ እውን ወስኸሉ |
|
ንጥዕና ኣይገብርዎን ሃብቲ ንኣድጊ ኣይብልዎን ከብቲ,ጥዕና ስለዘለካ ጥራሕ ክትዓግብ ኣይግባእን፣ ሃፍቲ እውን ወስኸሉ |
|
ኣተለበቀልን ዓሶን ፥ ንዓፅምኻ ይሳ,ነገር ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ኣብ ዉሽጥኻ ምሓዝ ንባዕል ይጎድእ |
|
ኣብ ሰማይ ዘሎ ማይ,ተስፋ ዘይብሉ ነገር |
|
ኣብ ሰማይ ዘሎ ዳመና,ተስፋ ዘይብሉ ነገር |
|
ቀጢነ እምበር ሜስየ ደኸየ እምበር ጭኖ እየ,ነገር ምንም ተኾነ ስርሑ ኣይገዲፍን |
|
ኢድ ፀናሒት ሸናሒት,ከም ግብርኻ ኢኻ እተፈደይ |
|
ኣታ እኽሊዶ ክንድዚ ይዕላእ ፤ እንድሕር ፀጊብካስ ዘይብላዕ,ተበዝሑ እትፈትዎ ነገርኳ ይፅላእ |
|
ኣብ ከብድኻ ዝኣቱ ወዲ'ናኖኻ ነይረኸቦ,ዘይተናገርኻዮ ምስጥር ማንም ኣይረኽቦን |
|
ቀፃዒ ዘይብሉስ ሰይጣን ቀፅዖ,ተዘይተቐፅዕኻ ሰይጣን ይቐፅዓካ |
|
ጋሻ ኩንካ ምፃእ ከይተመኖኻ ውፃእ,ጋሻ ክይንኻ ንብዙሕ ግዜ ኣይትፅናሕ |
|
ኣብ ክንደይንሳ ፡ ማርያም ትቦንቁሳ,ዓቕሚ እንተዘይብልካ ዝኸፍአ ከይገጥም ጥራሕ ኢኻ ክትፈርሕ ዘለካ |
|
ንፀዋይ ሓቂ አይብልዎን መማረሪ,ሓቂ ዝዛረብ ሰብ መማረሪ ኣኮነን |
|
ኦም ኣብ ዝዘንበሎ ይወድቕ,መዕለብኻ ናብ ዘዘንበልኻሉ እዩ |
|
ቁስሉ ዝሓብእ ፈውሱ ይሓብእ,ሽግርኻ እንድሕ ዘይተናግርኻ መፍተሒ ኣይትረኽብን |
|
ሓባእ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ,ፀገሙ ዘይናገር ምፍትሒ ፀገሙ ኣየግንን |
|
ኢድካ ሓሊፉ ከይትፀንሓካ ኣይትበድል ተቓዳዲምካ,ኣብ ሰብ በድል ምግባር ፅባሕ ተመልሊሱ ንዓኻ እዩ |
|
ካባና ዝዘላስ ፡ ዝዓበዳ በለት ማንቲለ,ነገር ካብ መጠን ንላዕሊ ንዕብዳን ይመስል |
|
ቀዲሙ ዝሸወተ ዑፍ ይበልያዖ ቀዲሙ ዝተዛረበ ሰብ ይፀልኦ,ቅድም ቅድም ኣይትበል |
|
ልቢ እንተ ኣለካ ተኸተል ሓለቓኻ,ክትዓቢ ተደሊካ ካብ ሓለቓኻ ተምሃር |
|
ንጉስ ዘይብልኩም ኣይትግሹ ሰበይቲ ዘይብልኩም አይትሕረሱ,መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ምንቅስቓስ ሃደገኛ እዩ |
|
ኣቦይ ደሱ መጉእዶ ፥ ትትርኣሱ ፡ጓልዬ እንተረኺበዮዶ,መማረፂ እንተስኢንካ ዝሓመቐ ነገር እውን ትጥቀም ኢኻ |
|
ንጓል ተሓዊኺ በላ ንመሸላ ትፃሂኺ በላ,ንክዘጋጀዩ ንገሮም |
|
ንጓል ተሓኺ በላ፡ንስገም ክትዕፀዲ ኢኺ በላ,ንክዘጋጀዩ ንገሮም |
|
ኣብ ሰብካ ዘሎ ገንዘብን ፡ ኣብ ዓፅሚ ዘሎ ስጋን ከይተገየፅካ ኣይወፅእን,ጥቕሚ የጋጭወካ እዩ |
|
ንፉዕ ኣይትኹን ሓው ንሩፅ ኩን,ሓው ጀግና ተኾይንኻ ዝነኽኣካ የለን |
|
ንፉዕ ካብ ምኺን ሓውንፉዕ ምኺን,ሓው ጀግና ተኾይንኻ ዝነኽኣካ የለን |
|
ካብ ሕቡእ ፈታዊ ግሁድ ፀላኢ,ካብ ዘይትፈልጦ ፈታዊኻ ፍሉጥ ፀላእኻ ይሓይሽ |
|
ካብ ሓይሊ ሰብ አምቦሎት ሐይሊ ሰብ ፀሎት,ብሓይሊ ጥራሕ ነገራት ኩሉ ነገር ምቕያር ኣይከኣልን |
|
ካብ ሃብታም ምልማን እዝጊ ምእማን,ካብ ሃፍታም ካብ ትልምን ንእግዝኣብሄር ምልማን ይሓይሽ |
|
ደመና ዝጨበጠን ፡ ሰማይ ዝሕንጠጠን የልቦን,ዘይከኣል ነገር እዩ |
|
ጠበቕ ርእሱ እንተነቕኝነቐ ዘረባ ዝፈልጥ ይመስል,ኣተምስል |
|
ኣብዚ ፅቡቕ ዓዲ ምኾነ ፥ማይ ከም ደመነ,ሕማቅ ማሕበረሰብ ዘለዎ ቦታ እዩ |
|
ኣብኡ ከለኻ ፥ከመይ ኣሎኻ,ኣይትቕረበኒ |
|
ቄቁልዓ ፈታዊኡ ይፈቱ,ቆልዓ ዝፈትዎ ይፈቱ |
|
ቁርዖ ክንዲ ብፅራይ ክትኣክል ክትብል ተነፊሓ ሞተት,ዘይነብስኻ ኣይትምሰል |
|
ከለኻ ፍቅሪ ሕኔአ ንሞት,ብህወት ላሃለና ንፋቐር |
|
ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት,ሓሶት ኣይጠቅምን |
|
ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፡ አብቱሽቱሸን ዘሎ ይሰዳ,ዝሐሸ ነገር ክትረክብ ዝሓዝካዮ ኢኻ እትስእን |
|
ቅድም ኣፍ የሞጥምጡዎ ደሓር ይፋፅይዎ,መጀመርያ ይዘጋጀዩሞ ደሓር ይገብርዎ |
|
ግራት መን ኢልካ ሕረስ ሰበይቲ መን ኢልካ ውረስ,ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምግባርካ ማንነቱ ፍለጥ |
|
ኣብ ኢዶም ጭብጥ ፡ ኣብ እግሮም ርግፅ,ኣብ ግሉፅ ፅቡቕ እናገበረ ኣብ ሕቡእ ዝጎድእ |
|
ቀዳማይ ስሕታን ዳሕራይ ዕብዳን,ክልተ ገዜ ምስሕሓት ዕብደት እዩ |
|
ንፉዕ ወይ ምስ ሞተ ወይ ምሰለገሰ ይዝከር,ሰብ ብህወት እናሃለወ ኣይምስከረሉን |
|
በላሕ ካራስ ፡ ካብ ዓፅማ ኣይትሓልፍን,ሓይሊ (ተኽእሎ) ገደብ ኣለዎ። |
|
ገንዘብን ሓጥያትን ተዋህላሊ,ገንዘብን ሓጥያትን ቀስ ብቀስ እዮም ዝእከቡ |
|
ኣብ ክንደይ ንሳ መጥሓን ይፈርሳ,ፀገም ዝገጥም ኣብ ዓቕሚ ዝሓፅሮም እዩ |
|
ኣቦይ ጋሻ፥ኣነ ዓሻ,ዝሐሸ ዝፈልጥ ኣይብልናን |
|
ካብ ሕሜት ጥሜት,ካብ ሕሜት ዝርከብ ጥቕሚ የለን |
|
እዝጊ ክገብር ፦፡ ወርሒ ፀሓይ ይገብር,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ |
|
እዝጊ ክገብር ዳኛ የንብር,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ |
|
እዝጊ ክገብር ፀሓይ ቀትሪ የንብር,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ |
|
እዝጊ ክፀልእ ዝናብ ክመፅእ ደገ የውፅእ,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ |
|
ቄልዓ እንተለበመስ ኣብ መንገዲ ምሻን አይሓድግን,ልምዲ ብቐልሉ ኣይጠፍእን |
|
ኣብ ኣፉ ዝሃቡዎስ ስሱዕ ይብሉዎ,ዝተፈጠረሉ ዕድል ዝተጠቐመ ሰብ ክትወቕሶ ኣይግባእን |
|
ኣብ ሓደ ዝፋን ክልተ ምንጋስ ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ,ውሳነ ዝህብ ሓደ ሰብ ክኸውን ኣለዎ |
|
ንጥዕምቲ ብኸያት ቅብጥርጥር ትፅይቓ,ምቅብጣር ንብኽያት ተግድዳ |
|
ኣቦይ ዝበልዕዎ ጠጥፅሙ ፥ ንዓይ ገዲፎሙለይ ፀፀገሙ,ናይ ወላዲ ሓጥያት ንዉሉድ |
|
ቄልዓ ዝበለ ፦ ቄልዓ ኣኸለ,ሰብ ብኣነጋግሪኡ ይምዘን |
|
ኣብ መርዓ ዘይተረኸበስ ፡ ኣብ ኣርበዓ,ኣብ ሓጐስካ ሰብ ኣይሕወሰካን |
|
እዝጊ ይምሓርካ ይብሉ መመዒኦም እዝጊ ይቕተልካ ይብሉ ወወዒኦም,ብኣፎም ፀቡቕ ይምነዩልካ ብዉሽጦም ግን ሞትኻ ይምነዩ |
|
ጌጋ ናይ ሰብ እዩ,ሰብ ይሰሓሓት እዩ |
|
ቅዱሳን አብዘይተቋፀርሉ ያራኽኸቡ ፡ ሓጥኣን ኣብ እተቋፀርሉ ይሰኣኣኑ,ንፁሃት ሰባት ከይሓሰብዎ ይራኸቡ ክፉኣት ድማ ተቛፅሮም ዋላ ኣይራኸቡን |
|
ኣታ ወዲ ኣታ ወዲ፤ኣይትሓዘኒ ነዛ ኢደይ ከይትዓዲ,ኣካልዊ ርክብ ( ንፍቕሪ ይኹን ንፅልኢ) ተመራፂ ኣይኮነን |
|
ጋሻ ክረምቲ ካብታ ድራርካ እታ መንፀፍካ,ጋሻ ክረምቲ ካብ ዝበልዖስ ዝንፀፎ የተሓሳስበካ |
|
ቀጣን መዓልትስ መተዓዛዘቢት,ናይ ሽግር ግዜ መተዓዛዘቢ |
|
ኣብ ውግእ ዘይወዓለ ፡ በሊሕ,ሽግር ዘረኣየስ ሰብ ቐልል ይመስሎ |
|
ካብ ሕሱም በቕሊ ብሩኸ ኣድጊ ይሓይሽ,ካብ ፅሬት ዘይብሉ ብዙሕ ንእሽትይ ፅሩይይ ሓይሽ |
|
"ኣብ ሰማይ ዘሎ ምዖታት ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ መዓታት ኣበይ ርኢኻዮ? |
|
ኣመፃፅእኡዶ ስሒተዮ ",ውፅኢት ነገራት ብኣመፃፅአኦም ክፍለጡ ይኽእል እዩ |
|
ኣብ ኣንፈ ኩናት ፍርሂ ኣብ ኣንፊ ብልዒ ህርፊ,ዋጋ ከይከፈልካሉ ክትጥቀም ምድላይ |
|
ኣብ ማእኸል ድውያት ሓደ ኢዱ ብርቂ,ዕግበት ኣንፃራዊ እዩ |
|
ሕራይ በላ ኣይተጻዕድወላ,እሺ በላ ግን ኣይቲግበረላ |
|
ካብ ሀገር ዝገዝእ ሰብነቱ ዝገዝእ ይበልፅ,ባዕልኻ ምቁፅፃር ልዕሊ ኹሉ ነገር እዩ |
|
ህሩፍ ንኣመሉ መገዲ ዕዳጋ ይጸቦ,ስሱዕ ዝረኸበ ተረኸበ ኣይዓግብን |
|
ኣብ ምድርቤት ተፃዒኑ ኣብ ገበላ ኣይዘንብል,መፍትሒታት ዘላቕነት ክህልዎም ኣለዎ |
|
ሃህ ንዝበለ ኣንበሳ ኣይትቃለሶ፡ ስጋ ኣኾልሶ,ፀገማትካ ብሜላ ፍታሕ |
|
ጋሻን ሞትን ዝመፅሉ ኣይፈለጥን,ጋሻን ሞትን መዓዝ ከምዝመፁኻ ኣይፈለጥን |
|
ኣብገዛ ዘይፈረደ ፤ኣብደገ ኣይፈርድን,ገዝኡ ዘየመሓድረ ካልኦት ከመሓድር ኣኽእልን |
|
ኣብአ- ዘይነበረ ፤ ኩቦ ዘይወርወረ,ምንም ኣስተዋፅኦ ዘይገበረ |
|
ቁሩብ ዝእምነቱ ቁሩብ ዝኸሕደቱ,ብንእሽቶይ ነገር ዝኣምን ብንእሽቶይ ይኽሕደካ |
|
ንፀብሒ መን ይፈልጦ ? መንቀላወጢ,ገዛ ገዛ ዝዘውር ሰብ ናይ ምግቢ ፅሬት ምምዛን ይለምድ |
|
ላዕላዩ ዝተዘርገ ታሕታዩ ነይጸረየ,ብደግኡ ዉድእ ዝመስል ግን ዉሽጡ ክፉእ |
|
ንጥዕምቲ ፀወታ ሃበኒ ፀየቐታ,ምልማን ንፅቡቕ ፀዋታ የበላሽ |
|
ማይ ንኹሉ ይወቕያሞ ንዳዕሮሰ የጣቕዓሉ,ንገልኦም ዓብይ ዝኾነ ነገር ንገልኦም ድም ምንም |
|
ጋሳን ድንግልን ዘይሓደ ጊዜ ኣይበቁልን,ሓደ ግዜ ጥራሕ እዩ ዝኸዉን |
|
ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬት ሰብ ነይሩ ነይሩ ናብ ሞት,ምንም ዋላ ተገበርኻ መጨረሻኻ ግልፂ እዩ |
|
ማይ ባሕሪ ዘይረአየ ማይ ፃሕሊ ረአኹ በለ,ንዘይፈልጥዎ ነገር ብርቂ እዩ |
|
ማይ ተፀሞቕኝካዮ ማይ,ዘይልወጥ ነገር ምንም ተትገብሮ ኣይልወጥን |
|
ማይ እንተሓቐንካዮ ማይ,ዘይልወጥ ነገር ምንም ተትገብሮ ኣይልወጥን |
|
ኣብ ከተማ ለጋስ ኣብ ዓመቱ ዘጋፍ,ኣብ ከተማ ገንዘብ ብዘይኣግባብ ምጥፍፋእ ኣብ ሽግር እዩ ዘእትው |
|
ካብ ሓፁር እሾኽ ሓፁር ሰብ ይፀንዕ,ምንም ዓይነት ገደብ (ክልከላ) ሰብ ክኣምነሉ ኣለዎ |
|
ቁም ከም ዕላማ ጥበቕ ከም ጫማ,ንነገር ብጥብቂ ሓዞ |
|
ኣብ ስቕ ዘሎ ደስታ ፡ ኣብ ፍቕሪ ዘሎ ፀዋታ,ወግዒን ጨዋታን ኣብ ምቹው ኩነታት እዮም ጥዑማት |
|
"ኣብ ፅቡቕ ዘሎ ኣብ ክፉእ ዘሎ ይመስሎ፡፤ ኣብ ክፉእ ዘሎ ኣብ ፅቡቕ |
|
ዘሎ ይመስሎ",ስምዒት ምሉእነት ኣንፃራዊ እዩ። |
|
ጓል ዝተበኮረ ምስ ኣቦይ 'ዝጊ ዝተማኸረ,ቦኽሪ ጓል ፅብቕ እዮ |
|
ደም ስኒ ፡ ካብ ትፍ ትብሎ ትውሕወጦ ይበዝሕ,ሽግርኻ ካብትናገሮ ኣብ ዉሽጥኻ ትሕዞ ይበዝሕ |
|
እዝጊ የርእዮም ንጉስ የመልክቶም,ትኽክልኛ ውሳነ ካብ ፈጣሪ ጥራሕ እዩ |
|
ካብ ሎሚ ዝገርገረ ዝብኢ ኣየሕድረናን,ብጣዕሚ ከሸግረና እዩ |
|
ኣቦ ካብ ዝሰኣነ ፤ ጠባይ ዝሰኣነ,እቲ ዝኸፍአ ሕማቕ ጠባይ እዩ |
|
ኣቦ ኣይኸሰስ ፥ ንሂጉ አይኹልሰስ,ክትገብሮም ዘይትኽእል ነገራት ኣለዉ |
|
ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይወስዶ ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይወስዶ,ኣብ ኩሉ ቦታ ፀገም ይገጥም እዩ |
|
ካህን ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻ ንጉስ ዘይሓዝካሉ አይገንዘብካ,መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ስርዓት የለን |
|
ኳሓሎ መሲለንስ ፡ መንቋሮ,ፈተውቲኻ ዝመስላስ ግን ፀለእትኻ |
|
ኣቲ ጓለይ ፥ ይብላ መቐለ ሓንቲ ጓል ዘይብለን,ብዘይብለን ይምከሓ |
|
ቀጢነ ሪኡኒስ ጅማት ለሚኑኒ,ንዕቁኒ |
|
ካባና ዘይፈልጣ ተጎንቢሐን ይጠርጣ,ካባና ዝሐሸ ዘይፈልጣስ ብዙሕ ዝፈልጣ የምስላ |
|
ኣብ ክንደይ ሓይሎም ፡ ንዋጋእ ኢሎም ንንፉዕ አቕቲሎም,ኲናት ጀግና እዩ ዝውድእ |
|
ኣብ ቤትካ ይኣትዉኻ ዕራቐትካ ይርእዩኻ,ሚስጢር ከባቲነት ገዛ ክኽበር ኣለዎ |
|
ኣብ ክንደይ ኣእምሮኦም ይኸፍእ ፈኸረኦም,ፍልጠት ዘይብሉ ሰብ ይፉክር |
|
ኣብ ከብዲ ዘሎ ፡ ወዲ'ዶ ጓል ንበሎ,ንምፍላጡ ዝኸብድ ነገር |
|
ማይ ንዝፀምእ ፡ ምኸሪ ንዝሰምዕ,ነገር ንዝጥቀመሉ ሃቦ |
|
ጋሻ ቅድም ወርቂ ደሓር ብሩር ደሓር ጨርዊ,ጋሻ ላፀንሓ ምስኸደ ክብሩ ይቕንስ |
|
ጋዕስን ስዋን ብሓደ መዓልቲ ኣይበፅሕን,ንኹሉ ነገር ገዜ የድለዮ እዩ |
|
ኣብ መቕሎ ዘሎ ዘየንጣዕጥዐ ፡ ኣብ ሰፍኢ ዘሎ,ኣብ ዓብዪ ፀገም ዘሎ ከማርር ኣይረኣይን፣ ዝበዝሕ ዘማርር እቲ ኣብ ዝነኣሰ ፀገም ዘሎ እዩ |
|
ቀራናት ፈሪሔንስ ንጓዕማማት,ሓይሊ ንዘለዎ ፈርሕካስ ንደካማ ምብዳል |
|
ንጋሻኻ እተቕርበሉ ሰኣን ይብል ሕሱም ረጋሚ,ምንም ነገር ኣይሃልኻ |
|
ኣቡኡ ዝፀልአ ኣቦ እንዳማቱ ይፀርፍ,ክብሪ ካሊእ ሰብ ምንካእ ክብርኻ እዩ ዝነክእ |
|
ኣብ ቅድሜኻ ዘይተፀብሐት እንጀራ ፡ ቆሪስካ አይትብልዓያ,ምትእማማን ክፍጠር ዘለዎ ፊት ንፊት ክኾን ከሎ እዩ |
|
ማዕተብ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን,ሓቂ ትፍተን እምበር ኣይትሰዓርን |
|
ኣብ ቆፎ ዘሎ ሓንፈፅ አብ ግዳም ዘሎ ድኻ የውቅዕ,ክባር ነገር ድኻ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ ዝሕልዎ |
|
ኣብ ሰበይትን ኣብ ማይን ፡ ዘይበፅሕ የልቦን,ማይን ናይ ሓዳር መጣማሪትን ንኹሉ ሰብ ኣድለይቲ ነገራት እዮም |
|
ማይ ናብ ሩባኡ ዕንዳይ ናብ ኣዲኡ,ኣብ መጨረሻ ናብ እትኸዶ እኻ ትኸይድ |
|
ሃይሞኖት ዘይብሉ ሰብን፡ ልጓም ዘይብሉ ፈረስን ሓደ,ዓላማ ዘይብሉ ነገር መዕለቢ የብሉን |
|
ኣቦ ዘይብሉ ቄልዓ ዘጋፍ ፤ ኣላይ ዘይብሉ ብፅራይ ደርጋፍ,ዋና ዘይብሉ ነገር መዕለቢ የብሉን |
|
ኣቦ ኻልእ ዝፀርፍ ፥ ነቡኡ ከፅርፍ,ንኻልኦት ዝገበርካዮ ተመልሱ ንባዕልኻ እዩ |
|
ኣብ ኢድካ ዝሓዝካዮ ወርቂ ፡ ዳርጋ ጨርቂ,ዝኾነ ነገር ምስ ረኸብካዮ ዋግኡ ይቕንሰካ እዩ |
|
አብ ኩናት ዘይወዓለ ሃጥር,ሽግር ዘረኣየስ ሰብ ንባዕሉ ጀግና ይመስሎ |
|
ጌጋ በትሪ ንሓደ መዓልቲ ጌጋ ፀርፈ ንጥንቲ,ሕማቕ ምዝራብ ንዝልኣለም ክትጠኣስ ይገብረካ |
|
"ኢድካ ኣብ ቀላይ ምለስ እንተረኸብካ ዓሳ ትሕዝ እንተሰኣንካ ተሓ |
|
ፂብካ ትወፅእ",ስራሕን ምፍታንን ኣይጎድእን |
|
ቃል መቕቱል ይብል ዓረበታይ,ሕማቕ ዘረባ የቕትለካ እዩ |
|
መገዲ ምሰ ወዲ ዓዲ,ምስ እትፈልጦ ሰብ ስራሕ |
|
ኣቦኻ ነበረ ፥ ከምዚ ነይገበረ,ካብ ኣቦኻ ዝገደድኻ እኻ |
|
ጋሻ እንተሃብዎ ይብላዕ እንተኸልእዎ ይጠላዕ,ጋሻ ኰይንካ መሪፅካ ክትተኣናገድ ኣይትኽእልን |
|
"ጋሻ መጀመሪያ ወዲዝጊ ደሓር ወዲሰብ ሳልሳይመ ዓልቲ ወዲ |
|
ኸልቢ",ጋሻ ኰይንካ ነዊሕ ክትቅኒ ኣይትኽእልን |
|
ኣብ ሰማይ ጣዕሳ የልቦ ኣብ ልዕሊ ወላዲ ቅፅዓት የልቦ,ነገራት ድሕሪ ምዃኖም ክምለሱ ኣይኽእሉን |
|
ካብ ህበይ ቆንጆ እንታይ ይምረዖ,ዝምረፅ ነገር የብሉን |
|
ቄርበት እንድሕሪ ነቂፁ ፡ ስም እንድሕሪ ወዒኡ እቲ አይጥቕለል እቲ ኣይምለስ,ሓደ ግዜ ዝተንከረ ነገር መምለሲ የብሉን |
|
ኣብ እምኒ ኮንካ ኣይንዋሕን,ብተፈጥሮ ናትካ ዘይኮነ ብቖዋምነት ፀገምካ ኣይፈትሐልካን |
|
ቁመትን ሸመትን ተመኒኻ ኣይርከብን,ነገር ስለዝደለኻዮ ጥራሕ ኣይርከብን |
|
ሓሶት ኣየቕይሕን እዩ,ካብ ሓሶት ምንም ኣይርከብን |
|
ኣብ እንዳቦኻ ኣይትከተር ፡ ኣብ እንዳኖኻ ፆም ኣይትሕደር,ኣቦ መኽብሪ ይኾነካ እኖ ድማ ፀገምካ ተቕልለካ |
|
ኢድካ ሓሊፋ ትዕናሕካ,ከም ግብርኻ ተፈደይ |
|
በሊዕካ ከም ኣንበሳ ደቂስካ ከም ሬሳ,ሓደ ነገር ብደምቢ ገበሮ |
|
ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፍንትኸሸን ይፈትሓ,ዝሐሸ ነገር ክትረክብ ዝሓዝካዮ ኢኻ እትስእን |
|
ቈይምካ ተኸራኸር ፡ ዜርካ ተመሳኸር,ቅዋም ይሃልይካ፣ መረዳአታ እውን ግን ኣክብ |
|
ካብ ሃገሩ ዝወፀ ክሳብ ዝምለስ እንተፀዓንዎ ኣድጊ እንተለጎምዎ ፈረስ,ሰብ ኣብ ኣዱ እዩ ዝኸብር |
|
በሊዓ በሊዓ ጨው የብሉን ፡ ፡ ከይዳ ከይዳ መገዲ የብሉን,ዝደለኻዮ ምስረኸብኻ ክተመስግን ኣለካ |
|
ኣብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ ከም ዝደበሰካ,ኣብ ገዛኻ ንኣጋይሽካ ምቕሉል ክትኮን ኣለካ |
|
አብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ከም ትኻን,ኣብ ገዛኻ ጋሻ እንትህልወካ ምቕሉል ክትከውን ኣለካ |
|
እግሪ ብፃይካ ርኢኻ ፣ ደብል,ምስ መሳርሕትኻ ተስማዕሚዕኻ ክትከይድ ኣለካ |
|
ኣብ ምንታይ ቌምካ ንዝጊሄር ትሓምዮ,ብደረጃኻ ብዘለካ ሓበሬታ ጥራሕ ኢኻ ክትዛረብ ዘለካ |
|
ኣብ ጊዜ ድራርካ ዝመፀካ ፥ ከም ዝደበሰካ,ንሰባት ኣብ ስተዘጋጀውሉ ጊዜ ጥራሕ ክትጉብንዮም ኣለካ |
|
ኣቕሓ ስኢንና ሓቢርና በሊዕና እምበር መኣዝ መዛኑ ኬንና,ፀገም ንምሕላፍ ምስ ካልኦት ክትተሓባበር ኣለካ |
|
ኣብ መርዓ ጓላ ፡ ቀላቕል ምዓላ,ኣብ ጉዳይካ ብደምቢ ክትሰርሕ ኣለካ |
|
በሰለ ንብላዕ ፡ በፅሐ ንዝራእ,ኣብ ሰራሕ ግዜ ስራሕ ኣብ ዕረፍቲ ግዜ ድማ ኣዕርፍ |
|
ኣብ ዓቐብ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ ፡ ኣብ ጐልጐል ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ,ኣብ ዝኾነ ኩነታት ሃሉ ፀገም ይገጥመካ እዩ |
|
ኣብ ውሻጠ ተፃዒና ኣብ ምድር ቤት አይተዝብል,መፍትሒታትካ ዘለቕቲ ክኾኑ ኣለዎም |
|
ንጉስ ዝፈርዶን ፡ ጥንስቲ እትወልዶይን ኣይፍለጥን,ብሩህ ኣይኮነን |
|
ንጉስ የናብር ፍትሒ ይሕብር,ብንጉስ እኻ ትመሓደር ብፍትሒ ድማ ትምራሕ |
|
ሓዊ ሓሚሙ እንተደቀሰስ ፡ ሓሰር ክበጽሖ ከደ!,ተደኽምኻ ኩሉ ይንዕቐካ |
|
ማየ ማይ ይኸይድ ዓሳ ጐልጐል ጐልጐል ትኸይድ ቃርሳ,ነገራት ኣብ በቢቦትኦ ኽኾኑ ኣለዎም |
|
ንጉራዴ በውላጋኣ ዝሓዛ ይመልካ,ነገር ብመትሓዝኡ ተሕዝካዮ ትዕወት እኻ |
|
በሊዓ ትጠሚ ነዓይ ከተሕሚ,ናተይ ስም ክተጥፍእ ከምዘተግብረላ ተምስል |
|
ኣብዘይናታ ፥ አይትማወታ,ናታ ኣብዘይኾነ ነገር ኣይተጨንቃ |
|
ኣቦኻ ርገም ፥ኣቦኻ መርቕ,ናይ ኣቦኻ ግብሪ ናባኻ እዩ |
|
ቃል መላኺ ጉርዲ የብሉን,ናይ ፈላጥ ሰብ ዘረባ ሕርኽራኽ የብሉን |
|
ኣቦይ ዘምፅአለይ ፥ገምቦይ ዘፍልሓለይ,ናይባዕለይ እዩ |
|
ኣብ ዘይንብረቱ ፡ ይስበር ምሕኩልቱ,ናይኻ ኣብዘይኾነ ነገር ትሰርሕ ባዕልኻ ኣይትጉዳእ |
|
ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቄልዓ ፡ ኣይትልከ,ንምብካይ ቐርቡ ዘሎ ቖልዓ ኣይትተንክፍ |
|
ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ,ንምብካይ ቐርቡ ዘሎ ዓይኒ ኣይትተንክፍ |
|
ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ,ንምብካይ ቐርቡ ዘሎ ዓይኒ ኣይትተንክፍ |
|
ኣቦይ ፍቓዱ ፡ባዕፅሎም ዝነኣዱ,ንባዕለካ ምድናቕ |
|
ኣብታ ናታ ፡ ኣይትማወታ,ንባዕላ ግደፈላ |
|
ንግራት ዓረሞ ደረቱ ንነገር ፈፅሚ ደረቱ,ንነገር መፈፀምታ ኣለዎ |
|
ቁልዓ እናመንደዱ ጨው እናነገዱ,ንነገር ቀስ ብቀስ ኣኽዶ |
|
ቁሩብ ቆሎ፣ የብፅሕ ናብ ሕንሻሮ,ንእሽተይ ሕዝካ ብዙሕ ትረክብ |
|
ጋምስታ ብመረብ ትዕበ,ንእሽተይ ነገር ሕዞም ይዕበዩ |
|
ቁርዲድስያ ቁምነገረኛ ክበሃል ኣብ ቆርበት ተጣቢቹ ይመውት,ንክትነኣድ ዘይትኽእሎ ኣይትስራሕ |
|
ቆርበት ብዕንጉለ ይምለጥ ፡ ጎራሕ በዘራርብኡ ይፍለጥ,ንኹሉ እተሸንፈሉ መንገዲ ኣሎ |
|
ካባኻ ንዘይሓልፍ ጋሻ ጠጠዊቕኝካ ሰዓሞ,ንዘይተርፈካ ነገር ቐልጥፍካ ግበሮ |
|
ኣተሓልባ ገመልን ፥ዘረባ ፈታዊኻን ብደውካ,ንዝጠቕመካ ነገር ተገደሰሉ |
|
ንጉስ እንተረአኹስ ጥራዕ ጥራዕ ይመፀኒ,ንጉስ እንትርኢ ሽግርኻ ተናገር ይብለኒ |
|
ንጉሆ ዘይትስእሲ ፡ ሓደ እግሩ ደገ ይሕድር,ንግሆ ዘይትስእ ተዘጋጅዩ ክሓድር ኣለዎ |
|
ንጉስ እንክቹጣዕ ፡ ቀሰይ ኢልካ ውፃእ,ንግስ እንትናደድ ካብ ከባቢኡ ረሓቕ |
|
ጠላም ብፃዩ ረቢ ፈዳዩ,ንጠላም እግዝኣብሄር ይፈድዮ |
|
ማሕበርካ በኾረ ሻራኻ ተሳዕረ ኣይበሉኻ,ኣሎኒ ትብሎ ነገር ኣይበላሸያካ |
|
እፈትዎ እምበር ይፈትወኒ'ዩ ኣይትበል,ኣብ ናይ ባዕልኻ ስምዕት እበይ ኣብ ናይ ካልኦት ርግፀኛ ኣይትኹን |
|
ኣብ ዘይነገርካ ህልኸ ፤ ኣብ ዘይፀብሕኻ ጥልቕ,ኣብዘየእትወካ ነገር ኣይትእቶ |
|
ኣብ ዘይናትካ ኣይትበኣስ ፡፤ ደሕር ከይትጠዓስ,ኣብዘየእትወካ ነገር ኣይትእቶ |
|
ኣብ ዘይርስቱ ፥ይስበር ምሕኩልቱ,ኣብዘይምለከተካ ኣትዩ ንባዕሉ ኣሕመቐ |
|
ኣብ ዘይቦትኡ ዝተሰብረ ንምፅጋኑ አሸገረ,ኣብዘይምለከቶ ትዩ ዝተሽገረ ንክትሕግዞ ኣይምቹን |
|
ኣብ ዘይመንጠቢትክን ፥ ኣይትእትዋ ኢድክን,ኣብዘይምልከተክን ኣይትእተዋ |
|
ኣብ ዘይሞታ ፡ የማውታ,ኣብዘይምልከታ ኣትያ ትሽገር |
|
ኣብ ዘይፈልጦ ጭብጢ ዚአቱ ፤ ንሸፋጢ ጥሪቱ ፥ ንዳኛ ንዋቱ,ኣብዘይትፈልጦ ነገር ምእታው ትርፉ ክሳራ እዩ |
|
"ኣብ ዘይዓድኻ ሽመትን ፥ አብ ውሽጢ ፀልማት ሳዕስዒትን ፤ ዝርእዮ |
|
የብሉን",ኣብዘይትፍለጠሉ ምንም ተገበርኻ ዝርእየካ የለን |
|
ኣቦኻሲ ገፊሕ ደምበ እምበር ፤ ገፊሕ ገዛ ኣይግደፈልካ,ኣቦኻ ሃፍቲ እምበር ብዙሕ ቖልዓ ኣይግደፈልካ |
|
ንጉስን ጳጳስን ታቦትን ማሕረስን,ኣይስማእምዑን |
|
ቀጣን ኣውያትስ ፡ መተዓዛዘቢት ክልተ ደቅኖ,ኣጓጕል ነገር መተዓዛዘቢ እዩ |
|
ኦም ሓዝ ሓረግ ክተሓዝ,እቲ ዋና ነገር ሓዝ |
|
ኣብ ከብዲ ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ገንኢ ዘሎ መብራህቲ,እትፈልጦ ነገር እንተዘይተጠቕምካሉ ትርጉም የብሉን |
|
ቂፄልዓ እንተፀገበስ ፡ ዘይጠሚ ይመስሎ,እንተመልኡልካስ ዝጎድል ኣይመስለካን |
|
እዝጊ ፀድፊ ፈጠረ'ሞ ፡ መደያይቦ ድማ ፈጠረ,እግዝኣብሄር ንኹሎም ሽግራት መፍተሒ ኣለዎ |
|
ኣቦኺ ቀሺ፤ ሕውኺዛቹናይ ፥ኮፍ ኢልኪ ቁረቢ,ከም ቤተሰብኺ ፅቡቕቲ ሰብ ኹኒ |
|
ንዖም ኣርብዓ ፋሲካ ደረቱ ንግራት ዓረሞ ደረቱ,ኩሉ ነገር መፈፀምታ ኣለዎ |
|
ቁንጪ ሓሚሙ ቁማል ተሓጐሙ,ካልኦት ብዝገበርዎ ሕማቕ ነገር ኻልእ ይቕፃዕ |
|
ካባና ዝገዳ ብሚሔ ማይ ይወርዳ,ዝገደዱ ዓያሹ |
|
እዝግን ንጉስን አይቅበፁን,ካብ እግዝኣብሄርን ንጉሱን መፍተሒ ኣጠፍእን |
|
ካብ ሓቂ ዝሕሽ ሓይሶት ፡ ካብ ምጋእ ዝሕሽ ምስሓት,ካብ ዝጎድኣካ ሓቂ ዘይጓዳእ ሕሾት ይሓይሽ |
|
ኣብ ዘረባ ፤ ዘሎ ዓፀባ,ካብዙሕ ዘረባ ትርፉ ችገር እዩ |
|
ኪድ ኣይትበሉ ከም ዝኸይድ ግበሮ,ክድ እልካ ኣቲዛረቦ ንክኸይድ ግን ደፋፍኣዮ |
|
ኣብ ገዛ ዝለመደስ ፥ኣብ ዕዳጋ ከይዱ ኣይተፅምሙና በለ,ኹሉ ነገር ከም ከዛኻ ኣይኮነን |
|
ጠስሚ ኣብ ርእሳ ዘረባ ኣብ መልሓሳ,ኹሉ ኣብ እዳ |
|
ኣብ ዝሑል ፀባ ዝለመደ ፅንፅያ ፥ ኣብ ውዑይ ፀባ እትዩ ሞተ,ኹሉ ከም ዝለመድኻዮ ኣይኮነን |
|
ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካ እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስካ,ወናኒ ዘይብሉ ነገር ትርጉም የብሉን |
|
ቄልዓስ ይጐዩ እምበር ኣይቅድምን,ዋላ ንግዝይኡ ተቐልጠፍካ ቐዲሙ ንዝጀመረ ኣትቕዲሞን |
|
ኣቦ ዘይብሉ ዘጋፍ ፤ ቤት ዘይብሉ ሃርጋፍ,ዋና ዘይብሉ ነገር መዕለቢ የብሉን |
|
ኣቦ ዘለዎ ዝበኪ ፤ ኣቦ ንዘይብሉ ከብኪ,ዘለዎ ዘንፀርፅር ንዘይብሉ ከኽፍእ እዩ |
|
እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ?,ዘይህብ ክልምን የብሉን |
|
ኣእማን ዝፈናቕል ብተመን ይንከስ,ዘይምልከቶ ዝሰርሕ ሕማቕ ይረክብ |
|
ኣብዘይ ክእለቱ ፥ ይስበር ምሕኩልቱ,ዘይትኽእኮ ነገር ኣይትስራሕ |
|
ኣቦኻ ዘይገበሮ ኣይትግበር ፥ ከበሮ ቀትሪ ኣይትህረም,ዘይኸዉን ነገር ኣይትግበር |
|
ኣብ ዘይዓቕመን ፥ ይስበራ ዓፅመን,ዘይዓቕምኻ ነገር ኣይትስራሕ |
|
ንጥሙይ ቅጫ ንፅሙእ ዋንጫ,ዘድልዮ ነገር ሃቦ |
|
ንፈላሲ ዳዊት ንሕፈስታይ ነዊት ንቄልዓ ሰዊት,ዘድልዮም ነገር ሃቦም |
|
ማይ ኢላ ከይዳስ ማይ ረሲዓ አተወት ,ዝሓሰበቶ ጉዳይ ከይገበረት ተመልሰት |
|
ማይ ከምዘይነፅፍ ዓሳ ከምዘይመውት,ዝተመቻቸየ ግበሮ |
|
ጌጋ ዘርኢ ንሓደ ዓመት ጌጋ መውስቦ ንዝንተ እለት,ዝተሰሓሓተ መውስቦ ናይ ዘንተ እለት ናስሕ እዩ |
|
ኣቦይ ፋሲል ፡ እዛ ሞትኩም ናይጥሜት ትመስል,ዝተሽገርካ ትመስል |
|
ኣቦይ ፋሲል ፥፤ እዛ ኣዳቕሳኹምስ ናይ ጥሜት ትመስል,ዝተሽገርካ ትመስል |
|
ንጥንቲ ዝኸውን ምኸር ፡፣ንስኒ ዝኸውን ንኸስ,ዝጠቅም ነገር ምረፅ |
|
ኣብ ከብዲ ፅጉብ የለን ጥሙይ,ዝፀገበ ሰብስ ዝጠመየ ዘሎ ኣይመስሎን |
|
ጋሻ ፣ ዓሻ,ጋሻ ምንም ኣይፈልጥን |
|
ጋሻ ኣየሰንየኒ እንተቐነየኸ ይጠልመኒ,ጋሻ ኣይእመንን |
|
ንጓል ወዲ ዓዲ ይሕፀያ,ጓል ዝቐረባ እዩ ዝምርዐዋ |
|
ንጓል ወዲ ዓዳ የሕፅያ,ጓል ዝቐረባ እዩ ዝምርዐዋ |
|
ኣቦይ ሰመረ ፤፥ ግራትኩም ሰብ ገበረ,ፅቡቕ ነገር ገይሩ |
|
በላሕናያ ክብላስ ፃሕሊ ይዓጥና,ፍልጠት ዘብልካ ፈላጥ እየ ማለት ኣይፅብቑን |
|
በሊዑ ዘይምርቕን ዕዳጋ ውዒሉ ዘይጥይቕን ሓደ,ክተመስግን ኣለካ |
|
ቋቕስያ ናብ ጥራጥ,ንእሽተይ ዝመጠኑ |
|
ቈልዓ አይወልድ ሓዊ አይፈርድ,ገና ዘይበፅሐ |
|
ቆልመፅመፅ ዝኣመሉ ሕምባሻ ይልሕስ,ኣመል ክትገድፎ ከቢድ እዩ |
|
ቃላት ዝደጋገሙ ኣይኮነን ንምስማዕ ፡ እንታይደኣ ንምፅናዕ,ብምድግጋም እዩ ዝፅናዕ |
|
ማንቲለ ካብ ሓብታዶይ ትፍለ,ሓደ ዓይነት |
|
ማአሰር ዘይብሉ ማእይ ይሰንዶይ,ዘይተወድአ ነገር ኣይረብሕን |
|
ማይ ነሓሰ ጥዑም እዩ ኣይስተን ዘረባ ድኻ ልኡም እዩ ኣይስማዕን,ተሰማዕነት ዝህልወካ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ እንትህልወካ እዩ |
|
ጠስሚ ኣብ ከብዲ ከልቢ ኣይትሓድርን,ዘይእመን ሰብ ብክባር ነገር ኣይትእምኖ |
|
ጊዜ ዘይገልፆ ምስጢር መንፊት ዘይግንፍሎ ክርዳድ የልቦን,ኩሉ ነገር ዝግለፅ ድሕሪ ጊዜ እዩ |
|
ደሓን ደሕን ይብሉኻ ፡ ክሳብ ዝሓምሉኻ,ኩሉ ድሕንነትካ ዝጥይቐካ ብሓቂ ተገዲሱልካ ኣይኮነን |
|
ደረቐኛ ሓምሓም ፡ ንእምኒ ሓደጋ ትወድቃ,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ |
|
ደረቐኛ ቁንዉ ፡ ስር ኢሉ ናብ ቅርቅርቲ,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ |
|
ደረቐኛ ኣንጭዋ ፡ ኣብ ክሳድ ድመ ትሰራሰር,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ |
|
ደረቐኛ ኣንጭዋ ፣ ኣፍንጫ ድሙ ተሽትት,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ |
|
ኩነትካ ኣብ ቃልካ ውርዝነትካ ኣብ ህድኣትካ,ምህዳእ ፅቡቕ ባህሪ እዩ |
|
ካባና ዘይሕሻ ብኣና ይውዕላ,ብዝትሕተካ ኢኻ ትሕመ |
|
ካብ መምህሩ ደቀመዝሙሩ ካብ ቀለም ከለም,ካብ ምምሃር ምስትውዓል ይሓይሽ |
|
እዝጊክ ሓዝንስ ወዲ ዋጣ ቀሺ ኾነ,ወዲ ቐሺ ደራፊ ክኸውን ውሑድ ተርእዮ እዩ |
|
እግርን መንገድን ከይተፈላለያ ይነብራ,ተፈጥሮኣዊ መደብ ስራሕ ( እግሪ ንምኻድ ) |
|
ንጉስን ህበይን ባዕሉ ይኹምር ባዕሉ ይብትን,መንግስቲ ግጭት ኮነ ኢሉ ዝፈጥረሉ ጊዜ ኣሎ እዩ |
|
"ንፅሕፃሕ እግሪ ኣልዒልካሉ ንኸልቢ ሃዲምካሉ እቲ ኣይፅገስ እቲ |
|
ኣይምለስ",ኣብ ፀገም ዘጋድድ ነገር ኣይትግበር |
|
ንፅብሓት ተዋግአላ ንኣየት ተፋተወላ,ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ |
|
ንፆም ግድፈቱ ንበዓል ስዕረቱ,ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ |
|
ንፈላጥ ኣይትፍለጠሉ ንበሊሕ ኣይትቑረፀሉ,ጎበዝ ሰብ ዓርሱ ይኽእል እዩ |
|
ንፉዕ ሕማቕ እንተወለደ ተዘምተ ሕማቕኝ ንፉዕ እንተወለደ ተቐልተ,ንዕዉት ሰብ ዝኽተል ዕዉት ክኸውን ግድን እዩ |
|
ንፋስ ኣህሪምካ ንሰብ ኣስሚዕካ,ኩሉ ሰብ ይስመዓዮ |
|
ኣርሓ ከይሰወደ ፃህያይ ሱር ከይሰደደ,ፀገማት ብገንኦም ምፍታሕ |
|
ኣርእዮም ኣይኸልኡኻ ፡ ኣስሚዖም ኣይጥለሙኻ,ዝሃረፍካዮ ነገር ኣዪኽሉእኻ |
|
ኣርኪባስያ ዓርቢ ሞይታ,ትኽክለኛ ሰዓት ኣይኮነን |
|
ኣሳጉማኡ ርእዮም ጭብጦኡ የሕድግዎ,ትሑት ከይዲ ኣፈፃፅማኻ ክትረኽቦ ዝግበአካ ከይትረክብ ይገብር እዩ |
|
ኣስሚዖም ካብ ዝጠልሙኻ ብኩናት ይውግኡኻ,ቃል ዝኣተኻዮ ምጥላም ከቢድ ጥቕዓት እዩ |
|
ኣስተውዒልካ ትናገር ከይትርታፅ፡ ተዓጢቕካ ትቓለሰ ከይትምንታእ,ድልዊ ኰይንካ ነገራት ምፍፃም የዐውተካ እዩ |
|
ኣሻዓል ድኸነት ኣብ ቤት እንተገደፍካያ፡ ኣብ ግዳም ወፂኣ ተእዊ,ስእነት ኣብ ዝኸድካዮ እዩ ዝግለፅ |
|
ኣሽንኳይ ነፀላ ወሲኻትሉ መዛወሪ ፡ ብቐደማኳ ዘዋሪት እግሪ,ዘዋሪት እያ |
|
"ኣሸንኳይ ንሞት ንእርጋን""ኳ ይፀንሕዎ በለ ኣንበሳ",እርጋን ካብ ሞት ዝኸፍአ እዩ |
|
ኣሸንኳይ ንቤቱ ፡ ይተርፍ ንጐረቤቱ,ብርቱዕ ሰራሕተኛ |
|
ኣሻበኸን ሓደ ጣሳ ከይሰተኸን በለታ እንቁርዖብ ነንጭዋ,ፈጢንኪ ሰኺርኪ |
|
ኣቐምጥ ዝበልዎ ኣየጥፍእ ፡ ኣፀብኝ ዝበልዎ ኣየኸፍእ,ሓላፍነታዊ |
|
ኣቐምጥ ዝበልዎ ዘጥፍእ ኣፀብቕ ዝበልዎ ዘኸፍእ ፡ ንሓዋሩ ክኸፍእ,ዘይሓላፍነታዊ ሰብ ኣብ ሕማቕ ይወድቕ |
|
ኣቡን ቀሺ ድዩም? ንንዳማቶምኳ ዘቐሽሹ,ዝተፈለጠ ቐሺ |
|
ኣቡኡ ዝላፃይኡ አዲኡ ዝተሓዚቱ ከይተጐድአ ይነብር,ዝድግፉኻ ውለዲ እንትህልዉኻ ኣይትጕዳእን |
|
ኣቡኡን ኣዲኡን ዝሞቱሉ ፅግኢን ነግፊን ከም ዝገደፍሉ,ውርሲ ዝርከብ ክልቲኦም ወለዲ እንትሞቱ እዩ |
|
ኣብ ልዕሊ ቆፀራ ኣይቋፀሩ ኣብ ልዕሊ ጥሉል ኣየቃፅሉ,ትሑዝ ጊዜ |
|
ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣይፈርዱ ኣብ ልዕሊ ማይ ሓዊ ኣይኣጉዱ,ናይ ስልጣን ገደብ |
|
ኣብ ልዕሊ ግዚ ኣይግዝቱ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ኣይኣጉዱ,ናይ መወዳእታ ስጕምቲ |
|
ኣብ ሓባል እትረአ ኩሕሲ,ዝትጋደደ ሕመቕ |
|
ኣብ ሓው የለን ቀረባ ኣብ እምኒ የለን ዕምባባ,ደረጃ ክወፀሉ ዘይግባእ ዝምድና |
|
ኣብ መንጐ ክልተ ጎባይ ፡ ዝተሓብአ ብዕራይ,ኣብ መንጎ ህርኩታት ሰራሕተኛታት ዝመሳሰል ሃካይ ሰራሕተኛ |
|
ኣብ ምሳሕ ዘይፀውዕዎ ደብተራ የላዓዕል ሻራ,ሴራ ዝብገስ ካብ ጥቕሚ ምጕዳል እዩ |
|
ኣብ ክሳድ ሓዲዳ ኣላትኒ ዕዳ,ብዛዕባ ዕዳ እናማረርካ ክባራት መመላኽዒ ክትገዝእ ሓቢሩ ኣይኸይድን |
|
|