Proverb,Description አቦይ ኣይትሕለቡ ዝብል ንገዝመይ ፥፤ አደይ ሕለቡ እትብል ንጐምቦይ,ኣቦን ኣዶን ዝተፈላለየ ነገር እዮም ዝሓስቡልካ ኣቦ መፀውዒ፥ ሰፍኢ መቐውዒ,ኣቦ ብዙሕ ኣብ ሂወት ውላዱ ኣይግደስን ኣብዑር ነዳይ ፥፤ለይቲ ብዙሕት,ብለይቲ ዝስመዐካ ስምዒት ምሉእነት ዝተጋነነ እዩ ኣብ ኢድ ወዲ ሓላልካ የውድቐልካ,ፈታዊኻ ኣይጭክነልካን እዩ እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻን ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካን,መንግስቲ ስርዓት ክህሉ ወሳኒ እዩ ጋሻ ካብ ድራሩስ ምድቃሱ,ጋሻ ካብ ዝበልዖ ነገር ዝድቅሰሉ የሕስበካ ቆልዓን ንጉስን ዝብሉዎ ይገብር,ቆልዓን ንጉስን ዝደለይዎ ይግበረሎም ካብ መርዓ በዓለገ ፍትሕ ጭዋ ይሓይሽ,ናይ ሰብ ዋና ነገር ባህርያቱ እዩ ቁማልጫ ስረኻ የፍትሕ,ንእሽተይ እዩ እልካ ኣይትንዓቆ ኣብ ርእሲ ኣላታ ፡ ተወሰኸታ,ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝግጥም ፀገም በላዒ ከሎ ዘራኢ ይሕጎስ,ዝሰርሕ ሰብ ይሕጎስ ኣብ ሕሱም ብዕራይ ውዒልካ ኣብ ሕስምቲ ሰበይቲ ኣይትእቶ,በዓልቲ ቤት ደኺሙ ንዝወዓለ ሰብኣይ ብፍቕሪ ክትቕበል ኣለዋ ኣብ ኣዲኣ ዝለመደቶ ኣብ ሓማታ ደገመቶ,ከም ኩነታቱ ክትከይድ ኣለካ ንጉስ ክትረክብ ትናገር ፡ ውሕጅ ክዛሪ ተሻገር,ምቹው ኹነታት ምስረኸብካ ሓሳብካ ተግብሮ ኣብ ብልዒ ብዙሓት ፡ ኣብ መላእኸቲ ጥምዙሓት,ሰብ ኣብ ጥቕሚ ጥራሕ እዩ ዝተኣኻኸብ ኣብ ልዕሊ ዘሎካ እንተዝውስኹኻ፡ አብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝመኸሩኻ,ተወሳኺ ነገር ፅቡቕ እዩ ሓደ ከይበልካ ክልተ የለን,ካብ መጀመርትኡ ጀምር "ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ ፡ አብ ርእሲ ሃብትኻ እንተዝውስ ኹካ",ኣብ ዘላካ ተወሳኺ ምርካብ ኣይፅላእን ኣብ ርእሲ ኣደ ሓትነ ኣብ ርእሲ ነፀላ ዲኖ ፡ ረጐደ,ኣብ ዘላካ ተወሳኺ ምርካብ ኣይፅላእን ኣቲ መን በሊዕዎ እቲ ሓኸለ? ወዲኻይዶ ኣይንሀን ዝኣኸለ,ዝጎበዘ ወዲ እቲ ዝበለፀ እዩ ዝወስድ ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ደቅስ,ሓቀኛ ሰብ ኣብ ምንም ቦታን ግዜን ስግኣት የቡሉን ኣብ ምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ድቃስ፡ኣታ እዛ ናይ ድቃስ ዘይተደቅስ,ብምሉእ ዘይስማዕኻዮ ሓበሬታ ይሀንጥየካ እዩ ቁሪ ሰሜን ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቓቹፍ,ሽግር ምስዘይፈታዊኻ የቀራርበካ እዝጊ እዝጊ ኣይትበል እዝጊ ዝፈትዎ ግበር,ናይ ተግባር ሰብ ኩን ግረፍ'ሞ ካብ እግሪ ኣይትሕለፍ,ንዝትገብሮ ነገር ኣስተውዕል ማይ ከይመፀ ፡ መገዲ ማይ ዕረግ,ተዘጋጆ ጠሚትካ ተናገር ፡ ሓምቢስካ ተሳገር,ኣስተውዕል ሓዊ እንተተደጎለ ዝጠፍአ ይመስል,ስቕ ስለ ዝበለ ጠፍኡ ማለት ኣይኮነን ልቢ ሰብ ክትምርምር ብናትካ ጀምር,ቅድሚ ካልኦት ምንቃፍካ ብባዕልካ ጀምር ኣቦኹም ገዲፍኩምስ ፥ ኣቦና ኣቃብሩና,ቅድሚ ንኻልኣት ምሕጋዝኩም ናይ ባዕልኹም ጉዳይ ወድኡ ሃበኒ ህበይ ይገብር,ምልማን የንዕቐካ እዩ ካብ ሓምሳ ፅንጉለ ሓንቲ ለሚን,ካብ ብዙሓት ዘይረብሓ ሓንቲ ጠቓሚት ይምረፅ ቄርበት ተኸዲንካ ዝብኢ ውጋእ,ለነገር መስልኻ ቅረቦ ኣባ ጉንባሕ ዘይግራቱ ይኾልል ሕማቕ ሰብኣይ ነመንዝራ የዕልል,ካብ ሓዳርካ ወፃኢ ምኻድ ፅቡቕ ኣይኮነን ኣብ ርእስኻን ከም ጠስሚ ኣብ እግርኻን ከም ሳእኒ,ኣብ ኩሉ ምቹ ዝኾነ ኩነታት ኣርሓ ነርሓ እንተተዳፍኡ በዓል ጐፋፍ መፋፍ ይጉድኡ,ግጭት ፖለቲከኛታት ዝበዝሕ ድኻ እዩ ዝጎደእ ንጉስ ካብ ዝሞቱ ብመን ይማጎቱ,መንግስቲ ክህሉ ከሎ እዩ ሽግራት ዝፍታሕ እግርን ማአለማን ፡ በበይኑ ምዓሉ,ዘይምስምዕማዕ እግርን ከበሮን በበይኑ ምዓሉ,ዘይምስምዕማዕ ኣቦ ኸሎ ለግስ ፤ብርሃን ከሎ ገስግስ,ክትገብር እናኸኣልካ ከለኻ ግበሮ ቂም ሒዝካ ፀሎት ቁምነገር ሒዝካ ተረት,ንዓላማኻ ዝቃረን ነገር ሕዝኻ ኣይቲስራሕ ኣብ ሕፀኣ ዘዋረረት ፡ ኣብ መርዓኣ ተቃትል,ምስ እተጨቓጭቕ ሕፅይቲ መውስቦ ክትቕፅል የብልካን ኣብ ጥፉእ ፡ ኣይትዛረብ ክፉእ,ኣብ ዝኾነ ነገር ሕማቕ ኣይትዛረብ ካብ ሃገራ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ,ቕድም ቕድም ኣይትበል በሃም ኣይመዓድ ዝሞት አይፀዓድ,ንዝተበላሸወ ነገር ኣይትድኸመሉ ቁልምፅ በልያ ፡ ከይችቕድመኪ,ከይተቐደምካ ቐድም ጋዕሲ ኣይኸውን ብዘይ ርእሲ ከብዲ አኣይድልድል ብዘይ ፈርሲ,ነገር ብዘይ መሰረት ኣኸዉንን ኣብ ቅድሚ ስራሕ ኣይትዕናሕ ኣብ ቅድሚ ኣንበሳ ኣይትግናሕ,ስራሕ ክቡር እዩ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይዛረቡ ዋዛ ኣብ ቅድሚ ቁልዓ ኣይቐርሱ ሃንዛ,ትገብሮም ነገራት ነቶም ዘለዉ ሰባት ዝምጥን ክኸውን ኣለዎ ቃል ንጉስ ኣይሕሶ ዳጉሳ አይብሶ,ከኸዉን ዘለዎ ነገር ጥራሕ ግበር ንፋስ ክለዓል ሓዊ ኣይፅሕርዎን,ንነገር ኣብዘይ ትኽክለኛ ሰዓት ከይትገብሮ ኣብ ዝተኾብካሉ ሃገር ፡ ተተኹብካ ኣይትሕደር,ክብረትካ ዝቕንስ ነገር ክትገብር የብልካን ኣብ ዝኾራዕካሉ ሃገር ፡ ተቓባጢርካ ኣይትንበር,ክብረትካ ዝቕንስ ነገር ክትገብር የብልካን ኣብ ዘሎ ነገር ፤ ኣብ ዘሎ ማህገር,ግጭት ካብ ምብእኣስ ክትቍጠብ ኣለካ ኣብ ዕዳጋ ዘይፈሱ ፡ መወፅዒ ነብሱ,ንሂወትካ ኣገዳሲ ነገር ካብ ምግባር ኣይተምንትእ ንፉዕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ደም፡ ሕማቕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ሀደም,ጀግና ክትበሃል ኢልካ ዘየድሊ ዋጋ ኣይትኽፈል ኣብ ኢድካ ኸላ ኣይትስደዳ ንቐላ,ዕድል ክተባኽን የብልካን "ኣብ ቄልቋል ኣሚንካ ኣይተፅልል ጓና ፈተወኒ ኢልካ ሓውኻ ኣይተቕልል",ኣብ ዘየተኣማምን ነገር ኣይትመርኰስ ጌርካ ንዘይትኸእሎ ፀላእየይ ኣይትበል,ዘይትዉድኦ ነገር ኣይትጀምር ኣብ ከብዲ ከልቢ ፡ ነይሓድር ጠስሚ,ኣብ ዘይእመን ሰብ ክባር ነገር ኣይተቐምጥ ቅንኢ ምስ ፍቕሪ ፡ ሰዓል ምስ ፍግሪ ፡ዘይሰልጥ ግብሪ,ምስእቲሰርሖ ዘይከይድ ነገር ኣይትግበር ቃል ንጉስ ነውሐ ኢልካ ኣይተሕፅርሮ ሓፀረ ኢልካ አይተንውሖ,ክስተኻኸል ዘይክእል ነገር ኣይተስተኻኽል ኣብምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ስዋ ናይስዋ ሓሸውሸዋ,ሰቲኻ ዝዝረብ ዝንቡዕ ሓበሬታ እዩ ንፋስ ዘይብሉ ዓውድን ሽማግለ ዘይብሉ ዓድን ዋጋ የብሉን,ሽማግለ ግርማ ዓዲ እዩ ኣብ ምልሕላሕ ነፍሱ ፡ ኣብ ምስያብ ርእሱ ቈልዑ ዝሓድግ ኣባኢሱ,ኣረጊት ዘተዓርቕ ነገር እዩ ክገብር ዝግበኦ ጊዜ ዘይብሉ የልቦን ካብ ዕድሉ ዝሓልፍ የልቦን,ኹሉ ሰብ ናይባዕሉ ዕድል ኣለዎ ቅንጨስ ክውለድ ፍርቂ መለሊኸ,ነገራት ኣብ መጀመርያኦም ንእሽቶይ እዮም ሃብታም ብገንዘቡ ድኻ ብጥበቡ ይቀራረቡ,ኩሉ ሰብ ናተይ ዝብሎ ነገር ኣለዎ ሃብታም ብወርቁ ድኻ ብጨርቁ ኩሎም ይጭነቑ,ኩሉ ብዘለዎ ይጭነቕ ፈላሲ ኣብ ደብሩ ኣንበሳ ኣብ ዱሩ,ኩሉ ነገር ኣብ ቦትኢ ይጥም ቆቢዕ ንመነኩሴ ፍልጠት ንስላሴ,ነገር ንዝጥቀመሉ ክወሃብ ኣለዎ ቄልዓ ብዘይ ወላዲት ገዛ ብዘይ ጉልላት,ኩሉ ሃልዩካ እቲ ዋና ነገር እንተዘይሕዝካ ዋጋ የብሉን ቆቢዕ ንፈላሲ ፡ ክሲ ንኸሳሲ,ነገር ንዝምልከቶ ክኾን ኣለዎ ካህን ኣብ መቕደሱ ንጉስ ኣብ ኣደራሹ,ኹሉ ኣብ ቦትኡ እዩ ከኸዉን ዘለዎ ኣብ መረብ ፅግኢ የብለይ ፡ ምሰ'ንበሳ ፅልኢ የብለይ,ናይ ቆላ ሕርሻ ከቢድ እዩ ኣቦ ኣይቕፃዕ ፥ ሰማይ አይውፃእ,ኣቦ እንትቐፅእ ብኸብዱ እዩ መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ,መጀመርያ ክትገብሮ ዘለካ ግበር በሃር የፀቢ ንዳሓር,ክብደት ምውሳኽ ድሕሪት እዩ ዘትርፍ ንፈታዊ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ,ንዝሓገዘካ ኣፍልጦን ክብሪን ሃብ ልዕሊ ብጾታ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ,ካብ መሓዙትካ ቐድምካ ኣብ ዓይኒ ኣይትእቶ እዝጊ ዘየርክቦን ማይ ዘየጠልቅዮን የልቦን,እግዝኣብሄር ዘይከኣሎ ነገር የለን እዝጊ ዘይኣምን ኣረ ደብሪ ፣ በዓቲ ተደጊፉ ይሓድር,እግዝኣብሄር ዘይፈቐዶ ዝኸዉን ነገር የለን እዝጊ ዝፀልኦ ብዕራይ ፡ ምስ አጣል ይጓሰ,ምስ መዋዕልትኻ ክትውዕል ኣለካ እዝጊ ዘይባረኾ ቀሺ ነይከውን,እግዝኣብሄር ዘይፈቐዶ ዝኸዉን ነገር የለን ኣብ ከብዲ ዘሎ እዝጊ ይርአዮ ፡ ኣብ ዓይኒ ዘሎ ሰብ ይርእዮ,ብዛዕባ ብቅሉዕ ዘይተገለፁ ነገራት ምንጋር ትኽክል ኣይኮነን፣ ብዛዕባ ዝረአ ነገር ግን ይከኣል። ደምበ ሕፀር ፡ ኣሓ እዝጊ ይህበካ,ንስኻ ስራሕሞ እግዝኣብሄር ድማ የሳኽዐልካ ኣብ ንጉስ ዝኣቱ መዓርን ኣብ ኣረጊት ዝኣቱ ሰዓልን ኣብ ዘዘለዎ ይውዕል,ፅቡቕ ነገር ንዓቕሚ ዘለዎ ሕማቕ ነገር ድማ ድኽመት ንዘለዎ እዩ ዝኸውን ንጉስ ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይጐርሱ ንጉስ ዘይብሎም ፀናፁ ግምቢ ይልሕሱ,መንግስቲ ስርዓት ክህሉ ይገብር ኣብ ንጉስ ዝሓድር ኣዲኡ ነይቀብር,ስራሕ መንግስቲ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ክትሳተፍ ኣየኽእለካን እዩ ልብን ሳዕርን እናሓደር ይበቁል,ዕብየት ቀስ ብቀስ እዩ ኣቐዲምካ ምስጋና ንደሓር ምሕማይ የሸግር,ችኩል ድምዳመ ፅቡቕ ኣይኮነን ኣብ ሸውዓተ ኣንድድሞ ኣብ ዝሞቐካ ስሓን,ብዙሓት መማረፂታት ክህልወካ ኣለዎ ንጥዕና ኣይገብርዎ ሃብቲ ንመጥሓን ኣይገብርዎ ከብቲ,ጥዕና ስለዘለካ ጥራሕ ክትዓግብ ኣይግባእን፣ ሃፍቲ እውን ወስኸሉ ንጥዕና ኣይገብርዎን ሃብቲ ንኣድጊ ኣይብልዎን ከብቲ,ጥዕና ስለዘለካ ጥራሕ ክትዓግብ ኣይግባእን፣ ሃፍቲ እውን ወስኸሉ ኣተለበቀልን ዓሶን ፥ ንዓፅምኻ ይሳ,ነገር ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ኣብ ዉሽጥኻ ምሓዝ ንባዕል ይጎድእ ኣብ ሰማይ ዘሎ ማይ,ተስፋ ዘይብሉ ነገር ኣብ ሰማይ ዘሎ ዳመና,ተስፋ ዘይብሉ ነገር ቀጢነ እምበር ሜስየ ደኸየ እምበር ጭኖ እየ,ነገር ምንም ተኾነ ስርሑ ኣይገዲፍን ኢድ ፀናሒት ሸናሒት,ከም ግብርኻ ኢኻ እተፈደይ ኣታ እኽሊዶ ክንድዚ ይዕላእ ፤ እንድሕር ፀጊብካስ ዘይብላዕ,ተበዝሑ እትፈትዎ ነገርኳ ይፅላእ ኣብ ከብድኻ ዝኣቱ ወዲ'ናኖኻ ነይረኸቦ,ዘይተናገርኻዮ ምስጥር ማንም ኣይረኽቦን ቀፃዒ ዘይብሉስ ሰይጣን ቀፅዖ,ተዘይተቐፅዕኻ ሰይጣን ይቐፅዓካ ጋሻ ኩንካ ምፃእ ከይተመኖኻ ውፃእ,ጋሻ ክይንኻ ንብዙሕ ግዜ ኣይትፅናሕ ኣብ ክንደይንሳ ፡ ማርያም ትቦንቁሳ,ዓቕሚ እንተዘይብልካ ዝኸፍአ ከይገጥም ጥራሕ ኢኻ ክትፈርሕ ዘለካ ንፀዋይ ሓቂ አይብልዎን መማረሪ,ሓቂ ዝዛረብ ሰብ መማረሪ ኣኮነን ኦም ኣብ ዝዘንበሎ ይወድቕ,መዕለብኻ ናብ ዘዘንበልኻሉ እዩ ቁስሉ ዝሓብእ ፈውሱ ይሓብእ,ሽግርኻ እንድሕ ዘይተናግርኻ መፍተሒ ኣይትረኽብን ሓባእ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ,ፀገሙ ዘይናገር ምፍትሒ ፀገሙ ኣየግንን ኢድካ ሓሊፉ ከይትፀንሓካ ኣይትበድል ተቓዳዲምካ,ኣብ ሰብ በድል ምግባር ፅባሕ ተመልሊሱ ንዓኻ እዩ ካባና ዝዘላስ ፡ ዝዓበዳ በለት ማንቲለ,ነገር ካብ መጠን ንላዕሊ ንዕብዳን ይመስል ቀዲሙ ዝሸወተ ዑፍ ይበልያዖ ቀዲሙ ዝተዛረበ ሰብ ይፀልኦ,ቅድም ቅድም ኣይትበል ልቢ እንተ ኣለካ ተኸተል ሓለቓኻ,ክትዓቢ ተደሊካ ካብ ሓለቓኻ ተምሃር ንጉስ ዘይብልኩም ኣይትግሹ ሰበይቲ ዘይብልኩም አይትሕረሱ,መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ምንቅስቓስ ሃደገኛ እዩ ኣቦይ ደሱ መጉእዶ ፥ ትትርኣሱ ፡ጓልዬ እንተረኺበዮዶ,መማረፂ እንተስኢንካ ዝሓመቐ ነገር እውን ትጥቀም ኢኻ ንጓል ተሓዊኺ በላ ንመሸላ ትፃሂኺ በላ,ንክዘጋጀዩ ንገሮም ንጓል ተሓኺ በላ፡ንስገም ክትዕፀዲ ኢኺ በላ,ንክዘጋጀዩ ንገሮም ኣብ ሰብካ ዘሎ ገንዘብን ፡ ኣብ ዓፅሚ ዘሎ ስጋን ከይተገየፅካ ኣይወፅእን,ጥቕሚ የጋጭወካ እዩ ንፉዕ ኣይትኹን ሓው ንሩፅ ኩን,ሓው ጀግና ተኾይንኻ ዝነኽኣካ የለን ንፉዕ ካብ ምኺን ሓውንፉዕ ምኺን,ሓው ጀግና ተኾይንኻ ዝነኽኣካ የለን ካብ ሕቡእ ፈታዊ ግሁድ ፀላኢ,ካብ ዘይትፈልጦ ፈታዊኻ ፍሉጥ ፀላእኻ ይሓይሽ ካብ ሓይሊ ሰብ አምቦሎት ሐይሊ ሰብ ፀሎት,ብሓይሊ ጥራሕ ነገራት ኩሉ ነገር ምቕያር ኣይከኣልን ካብ ሃብታም ምልማን እዝጊ ምእማን,ካብ ሃፍታም ካብ ትልምን ንእግዝኣብሄር ምልማን ይሓይሽ ደመና ዝጨበጠን ፡ ሰማይ ዝሕንጠጠን የልቦን,ዘይከኣል ነገር እዩ ጠበቕ ርእሱ እንተነቕኝነቐ ዘረባ ዝፈልጥ ይመስል,ኣተምስል ኣብዚ ፅቡቕ ዓዲ ምኾነ ፥ማይ ከም ደመነ,ሕማቅ ማሕበረሰብ ዘለዎ ቦታ እዩ ኣብኡ ከለኻ ፥ከመይ ኣሎኻ,ኣይትቕረበኒ ቄቁልዓ ፈታዊኡ ይፈቱ,ቆልዓ ዝፈትዎ ይፈቱ ቁርዖ ክንዲ ብፅራይ ክትኣክል ክትብል ተነፊሓ ሞተት,ዘይነብስኻ ኣይትምሰል ከለኻ ፍቅሪ ሕኔአ ንሞት,ብህወት ላሃለና ንፋቐር ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት,ሓሶት ኣይጠቅምን ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፡ አብቱሽቱሸን ዘሎ ይሰዳ,ዝሐሸ ነገር ክትረክብ ዝሓዝካዮ ኢኻ እትስእን ቅድም ኣፍ የሞጥምጡዎ ደሓር ይፋፅይዎ,መጀመርያ ይዘጋጀዩሞ ደሓር ይገብርዎ ግራት መን ኢልካ ሕረስ ሰበይቲ መን ኢልካ ውረስ,ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምግባርካ ማንነቱ ፍለጥ ኣብ ኢዶም ጭብጥ ፡ ኣብ እግሮም ርግፅ,ኣብ ግሉፅ ፅቡቕ እናገበረ ኣብ ሕቡእ ዝጎድእ ቀዳማይ ስሕታን ዳሕራይ ዕብዳን,ክልተ ገዜ ምስሕሓት ዕብደት እዩ ንፉዕ ወይ ምስ ሞተ ወይ ምሰለገሰ ይዝከር,ሰብ ብህወት እናሃለወ ኣይምስከረሉን በላሕ ካራስ ፡ ካብ ዓፅማ ኣይትሓልፍን,ሓይሊ (ተኽእሎ) ገደብ ኣለዎ። ገንዘብን ሓጥያትን ተዋህላሊ,ገንዘብን ሓጥያትን ቀስ ብቀስ እዮም ዝእከቡ ኣብ ክንደይ ንሳ መጥሓን ይፈርሳ,ፀገም ዝገጥም ኣብ ዓቕሚ ዝሓፅሮም እዩ ኣቦይ ጋሻ፥ኣነ ዓሻ,ዝሐሸ ዝፈልጥ ኣይብልናን ካብ ሕሜት ጥሜት,ካብ ሕሜት ዝርከብ ጥቕሚ የለን እዝጊ ክገብር ፦፡ ወርሒ ፀሓይ ይገብር,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ እዝጊ ክገብር ዳኛ የንብር,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ እዝጊ ክገብር ፀሓይ ቀትሪ የንብር,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ እዝጊ ክፀልእ ዝናብ ክመፅእ ደገ የውፅእ,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ ቄልዓ እንተለበመስ ኣብ መንገዲ ምሻን አይሓድግን,ልምዲ ብቐልሉ ኣይጠፍእን ኣብ ኣፉ ዝሃቡዎስ ስሱዕ ይብሉዎ,ዝተፈጠረሉ ዕድል ዝተጠቐመ ሰብ ክትወቕሶ ኣይግባእን ኣብ ሓደ ዝፋን ክልተ ምንጋስ ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ,ውሳነ ዝህብ ሓደ ሰብ ክኸውን ኣለዎ ንጥዕምቲ ብኸያት ቅብጥርጥር ትፅይቓ,ምቅብጣር ንብኽያት ተግድዳ ኣቦይ ዝበልዕዎ ጠጥፅሙ ፥ ንዓይ ገዲፎሙለይ ፀፀገሙ,ናይ ወላዲ ሓጥያት ንዉሉድ ቄልዓ ዝበለ ፦ ቄልዓ ኣኸለ,ሰብ ብኣነጋግሪኡ ይምዘን ኣብ መርዓ ዘይተረኸበስ ፡ ኣብ ኣርበዓ,ኣብ ሓጐስካ ሰብ ኣይሕወሰካን እዝጊ ይምሓርካ ይብሉ መመዒኦም እዝጊ ይቕተልካ ይብሉ ወወዒኦም,ብኣፎም ፀቡቕ ይምነዩልካ ብዉሽጦም ግን ሞትኻ ይምነዩ ጌጋ ናይ ሰብ እዩ,ሰብ ይሰሓሓት እዩ ቅዱሳን አብዘይተቋፀርሉ ያራኽኸቡ ፡ ሓጥኣን ኣብ እተቋፀርሉ ይሰኣኣኑ,ንፁሃት ሰባት ከይሓሰብዎ ይራኸቡ ክፉኣት ድማ ተቛፅሮም ዋላ ኣይራኸቡን ኣታ ወዲ ኣታ ወዲ፤ኣይትሓዘኒ ነዛ ኢደይ ከይትዓዲ,ኣካልዊ ርክብ ( ንፍቕሪ ይኹን ንፅልኢ) ተመራፂ ኣይኮነን ጋሻ ክረምቲ ካብታ ድራርካ እታ መንፀፍካ,ጋሻ ክረምቲ ካብ ዝበልዖስ ዝንፀፎ የተሓሳስበካ ቀጣን መዓልትስ መተዓዛዘቢት,ናይ ሽግር ግዜ መተዓዛዘቢ ኣብ ውግእ ዘይወዓለ ፡ በሊሕ,ሽግር ዘረኣየስ ሰብ ቐልል ይመስሎ ካብ ሕሱም በቕሊ ብሩኸ ኣድጊ ይሓይሽ,ካብ ፅሬት ዘይብሉ ብዙሕ ንእሽትይ ፅሩይይ ሓይሽ "ኣብ ሰማይ ዘሎ ምዖታት ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ መዓታት ኣበይ ርኢኻዮ? ኣመፃፅእኡዶ ስሒተዮ ",ውፅኢት ነገራት ብኣመፃፅአኦም ክፍለጡ ይኽእል እዩ ኣብ ኣንፈ ኩናት ፍርሂ ኣብ ኣንፊ ብልዒ ህርፊ,ዋጋ ከይከፈልካሉ ክትጥቀም ምድላይ ኣብ ማእኸል ድውያት ሓደ ኢዱ ብርቂ,ዕግበት ኣንፃራዊ እዩ ሕራይ በላ ኣይተጻዕድወላ,እሺ በላ ግን ኣይቲግበረላ ካብ ሀገር ዝገዝእ ሰብነቱ ዝገዝእ ይበልፅ,ባዕልኻ ምቁፅፃር ልዕሊ ኹሉ ነገር እዩ ህሩፍ ንኣመሉ መገዲ ዕዳጋ ይጸቦ,ስሱዕ ዝረኸበ ተረኸበ ኣይዓግብን ኣብ ምድርቤት ተፃዒኑ ኣብ ገበላ ኣይዘንብል,መፍትሒታት ዘላቕነት ክህልዎም ኣለዎ ሃህ ንዝበለ ኣንበሳ ኣይትቃለሶ፡ ስጋ ኣኾልሶ,ፀገማትካ ብሜላ ፍታሕ ጋሻን ሞትን ዝመፅሉ ኣይፈለጥን,ጋሻን ሞትን መዓዝ ከምዝመፁኻ ኣይፈለጥን ኣብገዛ ዘይፈረደ ፤ኣብደገ ኣይፈርድን,ገዝኡ ዘየመሓድረ ካልኦት ከመሓድር ኣኽእልን ኣብአ- ዘይነበረ ፤ ኩቦ ዘይወርወረ,ምንም ኣስተዋፅኦ ዘይገበረ ቁሩብ ዝእምነቱ ቁሩብ ዝኸሕደቱ,ብንእሽቶይ ነገር ዝኣምን ብንእሽቶይ ይኽሕደካ ንፀብሒ መን ይፈልጦ ? መንቀላወጢ,ገዛ ገዛ ዝዘውር ሰብ ናይ ምግቢ ፅሬት ምምዛን ይለምድ ላዕላዩ ዝተዘርገ ታሕታዩ ነይጸረየ,ብደግኡ ዉድእ ዝመስል ግን ዉሽጡ ክፉእ ንጥዕምቲ ፀወታ ሃበኒ ፀየቐታ,ምልማን ንፅቡቕ ፀዋታ የበላሽ ማይ ንኹሉ ይወቕያሞ ንዳዕሮሰ የጣቕዓሉ,ንገልኦም ዓብይ ዝኾነ ነገር ንገልኦም ድም ምንም ጋሳን ድንግልን ዘይሓደ ጊዜ ኣይበቁልን,ሓደ ግዜ ጥራሕ እዩ ዝኸዉን ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬት ሰብ ነይሩ ነይሩ ናብ ሞት,ምንም ዋላ ተገበርኻ መጨረሻኻ ግልፂ እዩ ማይ ባሕሪ ዘይረአየ ማይ ፃሕሊ ረአኹ በለ,ንዘይፈልጥዎ ነገር ብርቂ እዩ ማይ ተፀሞቕኝካዮ ማይ,ዘይልወጥ ነገር ምንም ተትገብሮ ኣይልወጥን ማይ እንተሓቐንካዮ ማይ,ዘይልወጥ ነገር ምንም ተትገብሮ ኣይልወጥን ኣብ ከተማ ለጋስ ኣብ ዓመቱ ዘጋፍ,ኣብ ከተማ ገንዘብ ብዘይኣግባብ ምጥፍፋእ ኣብ ሽግር እዩ ዘእትው ካብ ሓፁር እሾኽ ሓፁር ሰብ ይፀንዕ,ምንም ዓይነት ገደብ (ክልከላ) ሰብ ክኣምነሉ ኣለዎ ቁም ከም ዕላማ ጥበቕ ከም ጫማ,ንነገር ብጥብቂ ሓዞ ኣብ ስቕ ዘሎ ደስታ ፡ ኣብ ፍቕሪ ዘሎ ፀዋታ,ወግዒን ጨዋታን ኣብ ምቹው ኩነታት እዮም ጥዑማት "ኣብ ፅቡቕ ዘሎ ኣብ ክፉእ ዘሎ ይመስሎ፡፤ ኣብ ክፉእ ዘሎ ኣብ ፅቡቕ ዘሎ ይመስሎ",ስምዒት ምሉእነት ኣንፃራዊ እዩ። ጓል ዝተበኮረ ምስ ኣቦይ 'ዝጊ ዝተማኸረ,ቦኽሪ ጓል ፅብቕ እዮ ደም ስኒ ፡ ካብ ትፍ ትብሎ ትውሕወጦ ይበዝሕ,ሽግርኻ ካብትናገሮ ኣብ ዉሽጥኻ ትሕዞ ይበዝሕ እዝጊ የርእዮም ንጉስ የመልክቶም,ትኽክልኛ ውሳነ ካብ ፈጣሪ ጥራሕ እዩ ካብ ሎሚ ዝገርገረ ዝብኢ ኣየሕድረናን,ብጣዕሚ ከሸግረና እዩ ኣቦ ካብ ዝሰኣነ ፤ ጠባይ ዝሰኣነ,እቲ ዝኸፍአ ሕማቕ ጠባይ እዩ ኣቦ ኣይኸሰስ ፥ ንሂጉ አይኹልሰስ,ክትገብሮም ዘይትኽእል ነገራት ኣለዉ ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይወስዶ ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይወስዶ,ኣብ ኩሉ ቦታ ፀገም ይገጥም እዩ ካህን ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻ ንጉስ ዘይሓዝካሉ አይገንዘብካ,መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ስርዓት የለን ኳሓሎ መሲለንስ ፡ መንቋሮ,ፈተውቲኻ ዝመስላስ ግን ፀለእትኻ ኣቲ ጓለይ ፥ ይብላ መቐለ ሓንቲ ጓል ዘይብለን,ብዘይብለን ይምከሓ ቀጢነ ሪኡኒስ ጅማት ለሚኑኒ,ንዕቁኒ ካባና ዘይፈልጣ ተጎንቢሐን ይጠርጣ,ካባና ዝሐሸ ዘይፈልጣስ ብዙሕ ዝፈልጣ የምስላ ኣብ ክንደይ ሓይሎም ፡ ንዋጋእ ኢሎም ንንፉዕ አቕቲሎም,ኲናት ጀግና እዩ ዝውድእ ኣብ ቤትካ ይኣትዉኻ ዕራቐትካ ይርእዩኻ,ሚስጢር ከባቲነት ገዛ ክኽበር ኣለዎ ኣብ ክንደይ ኣእምሮኦም ይኸፍእ ፈኸረኦም,ፍልጠት ዘይብሉ ሰብ ይፉክር ኣብ ከብዲ ዘሎ ፡ ወዲ'ዶ ጓል ንበሎ,ንምፍላጡ ዝኸብድ ነገር ማይ ንዝፀምእ ፡ ምኸሪ ንዝሰምዕ,ነገር ንዝጥቀመሉ ሃቦ ጋሻ ቅድም ወርቂ ደሓር ብሩር ደሓር ጨርዊ,ጋሻ ላፀንሓ ምስኸደ ክብሩ ይቕንስ ጋዕስን ስዋን ብሓደ መዓልቲ ኣይበፅሕን,ንኹሉ ነገር ገዜ የድለዮ እዩ ኣብ መቕሎ ዘሎ ዘየንጣዕጥዐ ፡ ኣብ ሰፍኢ ዘሎ,ኣብ ዓብዪ ፀገም ዘሎ ከማርር ኣይረኣይን፣ ዝበዝሕ ዘማርር እቲ ኣብ ዝነኣሰ ፀገም ዘሎ እዩ ቀራናት ፈሪሔንስ ንጓዕማማት,ሓይሊ ንዘለዎ ፈርሕካስ ንደካማ ምብዳል ንጋሻኻ እተቕርበሉ ሰኣን ይብል ሕሱም ረጋሚ,ምንም ነገር ኣይሃልኻ ኣቡኡ ዝፀልአ ኣቦ እንዳማቱ ይፀርፍ,ክብሪ ካሊእ ሰብ ምንካእ ክብርኻ እዩ ዝነክእ ኣብ ቅድሜኻ ዘይተፀብሐት እንጀራ ፡ ቆሪስካ አይትብልዓያ,ምትእማማን ክፍጠር ዘለዎ ፊት ንፊት ክኾን ከሎ እዩ ማዕተብ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን,ሓቂ ትፍተን እምበር ኣይትሰዓርን ኣብ ቆፎ ዘሎ ሓንፈፅ አብ ግዳም ዘሎ ድኻ የውቅዕ,ክባር ነገር ድኻ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ ዝሕልዎ ኣብ ሰበይትን ኣብ ማይን ፡ ዘይበፅሕ የልቦን,ማይን ናይ ሓዳር መጣማሪትን ንኹሉ ሰብ ኣድለይቲ ነገራት እዮም ማይ ናብ ሩባኡ ዕንዳይ ናብ ኣዲኡ,ኣብ መጨረሻ ናብ እትኸዶ እኻ ትኸይድ ሃይሞኖት ዘይብሉ ሰብን፡ ልጓም ዘይብሉ ፈረስን ሓደ,ዓላማ ዘይብሉ ነገር መዕለቢ የብሉን ኣቦ ዘይብሉ ቄልዓ ዘጋፍ ፤ ኣላይ ዘይብሉ ብፅራይ ደርጋፍ,ዋና ዘይብሉ ነገር መዕለቢ የብሉን ኣቦ ኻልእ ዝፀርፍ ፥ ነቡኡ ከፅርፍ,ንኻልኦት ዝገበርካዮ ተመልሱ ንባዕልኻ እዩ ኣብ ኢድካ ዝሓዝካዮ ወርቂ ፡ ዳርጋ ጨርቂ,ዝኾነ ነገር ምስ ረኸብካዮ ዋግኡ ይቕንሰካ እዩ አብ ኩናት ዘይወዓለ ሃጥር,ሽግር ዘረኣየስ ሰብ ንባዕሉ ጀግና ይመስሎ ጌጋ በትሪ ንሓደ መዓልቲ ጌጋ ፀርፈ ንጥንቲ,ሕማቕ ምዝራብ ንዝልኣለም ክትጠኣስ ይገብረካ "ኢድካ ኣብ ቀላይ ምለስ እንተረኸብካ ዓሳ ትሕዝ እንተሰኣንካ ተሓ ፂብካ ትወፅእ",ስራሕን ምፍታንን ኣይጎድእን ቃል መቕቱል ይብል ዓረበታይ,ሕማቕ ዘረባ የቕትለካ እዩ መገዲ ምሰ ወዲ ዓዲ,ምስ እትፈልጦ ሰብ ስራሕ ኣቦኻ ነበረ ፥ ከምዚ ነይገበረ,ካብ ኣቦኻ ዝገደድኻ እኻ ጋሻ እንተሃብዎ ይብላዕ እንተኸልእዎ ይጠላዕ,ጋሻ ኰይንካ መሪፅካ ክትተኣናገድ ኣይትኽእልን "ጋሻ መጀመሪያ ወዲዝጊ ደሓር ወዲሰብ ሳልሳይመ ዓልቲ ወዲ ኸልቢ",ጋሻ ኰይንካ ነዊሕ ክትቅኒ ኣይትኽእልን ኣብ ሰማይ ጣዕሳ የልቦ ኣብ ልዕሊ ወላዲ ቅፅዓት የልቦ,ነገራት ድሕሪ ምዃኖም ክምለሱ ኣይኽእሉን ካብ ህበይ ቆንጆ እንታይ ይምረዖ,ዝምረፅ ነገር የብሉን ቄርበት እንድሕሪ ነቂፁ ፡ ስም እንድሕሪ ወዒኡ እቲ አይጥቕለል እቲ ኣይምለስ,ሓደ ግዜ ዝተንከረ ነገር መምለሲ የብሉን ኣብ እምኒ ኮንካ ኣይንዋሕን,ብተፈጥሮ ናትካ ዘይኮነ ብቖዋምነት ፀገምካ ኣይፈትሐልካን ቁመትን ሸመትን ተመኒኻ ኣይርከብን,ነገር ስለዝደለኻዮ ጥራሕ ኣይርከብን ሓሶት ኣየቕይሕን እዩ,ካብ ሓሶት ምንም ኣይርከብን ኣብ እንዳቦኻ ኣይትከተር ፡ ኣብ እንዳኖኻ ፆም ኣይትሕደር,ኣቦ መኽብሪ ይኾነካ እኖ ድማ ፀገምካ ተቕልለካ ኢድካ ሓሊፋ ትዕናሕካ,ከም ግብርኻ ተፈደይ በሊዕካ ከም ኣንበሳ ደቂስካ ከም ሬሳ,ሓደ ነገር ብደምቢ ገበሮ ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፍንትኸሸን ይፈትሓ,ዝሐሸ ነገር ክትረክብ ዝሓዝካዮ ኢኻ እትስእን ቈይምካ ተኸራኸር ፡ ዜርካ ተመሳኸር,ቅዋም ይሃልይካ፣ መረዳአታ እውን ግን ኣክብ ካብ ሃገሩ ዝወፀ ክሳብ ዝምለስ እንተፀዓንዎ ኣድጊ እንተለጎምዎ ፈረስ,ሰብ ኣብ ኣዱ እዩ ዝኸብር በሊዓ በሊዓ ጨው የብሉን ፡ ፡ ከይዳ ከይዳ መገዲ የብሉን,ዝደለኻዮ ምስረኸብኻ ክተመስግን ኣለካ ኣብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ ከም ዝደበሰካ,ኣብ ገዛኻ ንኣጋይሽካ ምቕሉል ክትኮን ኣለካ አብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ከም ትኻን,ኣብ ገዛኻ ጋሻ እንትህልወካ ምቕሉል ክትከውን ኣለካ እግሪ ብፃይካ ርኢኻ ፣ ደብል,ምስ መሳርሕትኻ ተስማዕሚዕኻ ክትከይድ ኣለካ ኣብ ምንታይ ቌምካ ንዝጊሄር ትሓምዮ,ብደረጃኻ ብዘለካ ሓበሬታ ጥራሕ ኢኻ ክትዛረብ ዘለካ ኣብ ጊዜ ድራርካ ዝመፀካ ፥ ከም ዝደበሰካ,ንሰባት ኣብ ስተዘጋጀውሉ ጊዜ ጥራሕ ክትጉብንዮም ኣለካ ኣቕሓ ስኢንና ሓቢርና በሊዕና እምበር መኣዝ መዛኑ ኬንና,ፀገም ንምሕላፍ ምስ ካልኦት ክትተሓባበር ኣለካ ኣብ መርዓ ጓላ ፡ ቀላቕል ምዓላ,ኣብ ጉዳይካ ብደምቢ ክትሰርሕ ኣለካ በሰለ ንብላዕ ፡ በፅሐ ንዝራእ,ኣብ ሰራሕ ግዜ ስራሕ ኣብ ዕረፍቲ ግዜ ድማ ኣዕርፍ ኣብ ዓቐብ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ ፡ ኣብ ጐልጐል ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ,ኣብ ዝኾነ ኩነታት ሃሉ ፀገም ይገጥመካ እዩ ኣብ ውሻጠ ተፃዒና ኣብ ምድር ቤት አይተዝብል,መፍትሒታትካ ዘለቕቲ ክኾኑ ኣለዎም ንጉስ ዝፈርዶን ፡ ጥንስቲ እትወልዶይን ኣይፍለጥን,ብሩህ ኣይኮነን ንጉስ የናብር ፍትሒ ይሕብር,ብንጉስ እኻ ትመሓደር ብፍትሒ ድማ ትምራሕ ሓዊ ሓሚሙ እንተደቀሰስ ፡ ሓሰር ክበጽሖ ከደ!,ተደኽምኻ ኩሉ ይንዕቐካ ማየ ማይ ይኸይድ ዓሳ ጐልጐል ጐልጐል ትኸይድ ቃርሳ,ነገራት ኣብ በቢቦትኦ ኽኾኑ ኣለዎም ንጉራዴ በውላጋኣ ዝሓዛ ይመልካ,ነገር ብመትሓዝኡ ተሕዝካዮ ትዕወት እኻ በሊዓ ትጠሚ ነዓይ ከተሕሚ,ናተይ ስም ክተጥፍእ ከምዘተግብረላ ተምስል ኣብዘይናታ ፥ አይትማወታ,ናታ ኣብዘይኾነ ነገር ኣይተጨንቃ ኣቦኻ ርገም ፥ኣቦኻ መርቕ,ናይ ኣቦኻ ግብሪ ናባኻ እዩ ቃል መላኺ ጉርዲ የብሉን,ናይ ፈላጥ ሰብ ዘረባ ሕርኽራኽ የብሉን ኣቦይ ዘምፅአለይ ፥ገምቦይ ዘፍልሓለይ,ናይባዕለይ እዩ ኣብ ዘይንብረቱ ፡ ይስበር ምሕኩልቱ,ናይኻ ኣብዘይኾነ ነገር ትሰርሕ ባዕልኻ ኣይትጉዳእ ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቄልዓ ፡ ኣይትልከ,ንምብካይ ቐርቡ ዘሎ ቖልዓ ኣይትተንክፍ ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ,ንምብካይ ቐርቡ ዘሎ ዓይኒ ኣይትተንክፍ ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ,ንምብካይ ቐርቡ ዘሎ ዓይኒ ኣይትተንክፍ ኣቦይ ፍቓዱ ፡ባዕፅሎም ዝነኣዱ,ንባዕለካ ምድናቕ ኣብታ ናታ ፡ ኣይትማወታ,ንባዕላ ግደፈላ ንግራት ዓረሞ ደረቱ ንነገር ፈፅሚ ደረቱ,ንነገር መፈፀምታ ኣለዎ ቁልዓ እናመንደዱ ጨው እናነገዱ,ንነገር ቀስ ብቀስ ኣኽዶ ቁሩብ ቆሎ፣ የብፅሕ ናብ ሕንሻሮ,ንእሽተይ ሕዝካ ብዙሕ ትረክብ ጋምስታ ብመረብ ትዕበ,ንእሽተይ ነገር ሕዞም ይዕበዩ ቁርዲድስያ ቁምነገረኛ ክበሃል ኣብ ቆርበት ተጣቢቹ ይመውት,ንክትነኣድ ዘይትኽእሎ ኣይትስራሕ ቆርበት ብዕንጉለ ይምለጥ ፡ ጎራሕ በዘራርብኡ ይፍለጥ,ንኹሉ እተሸንፈሉ መንገዲ ኣሎ ካባኻ ንዘይሓልፍ ጋሻ ጠጠዊቕኝካ ሰዓሞ,ንዘይተርፈካ ነገር ቐልጥፍካ ግበሮ ኣተሓልባ ገመልን ፥ዘረባ ፈታዊኻን ብደውካ,ንዝጠቕመካ ነገር ተገደሰሉ ንጉስ እንተረአኹስ ጥራዕ ጥራዕ ይመፀኒ,ንጉስ እንትርኢ ሽግርኻ ተናገር ይብለኒ ንጉሆ ዘይትስእሲ ፡ ሓደ እግሩ ደገ ይሕድር,ንግሆ ዘይትስእ ተዘጋጅዩ ክሓድር ኣለዎ ንጉስ እንክቹጣዕ ፡ ቀሰይ ኢልካ ውፃእ,ንግስ እንትናደድ ካብ ከባቢኡ ረሓቕ ጠላም ብፃዩ ረቢ ፈዳዩ,ንጠላም እግዝኣብሄር ይፈድዮ ማሕበርካ በኾረ ሻራኻ ተሳዕረ ኣይበሉኻ,ኣሎኒ ትብሎ ነገር ኣይበላሸያካ እፈትዎ እምበር ይፈትወኒ'ዩ ኣይትበል,ኣብ ናይ ባዕልኻ ስምዕት እበይ ኣብ ናይ ካልኦት ርግፀኛ ኣይትኹን ኣብ ዘይነገርካ ህልኸ ፤ ኣብ ዘይፀብሕኻ ጥልቕ,ኣብዘየእትወካ ነገር ኣይትእቶ ኣብ ዘይናትካ ኣይትበኣስ ፡፤ ደሕር ከይትጠዓስ,ኣብዘየእትወካ ነገር ኣይትእቶ ኣብ ዘይርስቱ ፥ይስበር ምሕኩልቱ,ኣብዘይምለከተካ ኣትዩ ንባዕሉ ኣሕመቐ ኣብ ዘይቦትኡ ዝተሰብረ ንምፅጋኑ አሸገረ,ኣብዘይምለከቶ ትዩ ዝተሽገረ ንክትሕግዞ ኣይምቹን ኣብ ዘይመንጠቢትክን ፥ ኣይትእትዋ ኢድክን,ኣብዘይምልከተክን ኣይትእተዋ ኣብ ዘይሞታ ፡ የማውታ,ኣብዘይምልከታ ኣትያ ትሽገር ኣብ ዘይፈልጦ ጭብጢ ዚአቱ ፤ ንሸፋጢ ጥሪቱ ፥ ንዳኛ ንዋቱ,ኣብዘይትፈልጦ ነገር ምእታው ትርፉ ክሳራ እዩ "ኣብ ዘይዓድኻ ሽመትን ፥ አብ ውሽጢ ፀልማት ሳዕስዒትን ፤ ዝርእዮ የብሉን",ኣብዘይትፍለጠሉ ምንም ተገበርኻ ዝርእየካ የለን ኣቦኻሲ ገፊሕ ደምበ እምበር ፤ ገፊሕ ገዛ ኣይግደፈልካ,ኣቦኻ ሃፍቲ እምበር ብዙሕ ቖልዓ ኣይግደፈልካ ንጉስን ጳጳስን ታቦትን ማሕረስን,ኣይስማእምዑን ቀጣን ኣውያትስ ፡ መተዓዛዘቢት ክልተ ደቅኖ,ኣጓጕል ነገር መተዓዛዘቢ እዩ ኦም ሓዝ ሓረግ ክተሓዝ,እቲ ዋና ነገር ሓዝ ኣብ ከብዲ ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ገንኢ ዘሎ መብራህቲ,እትፈልጦ ነገር እንተዘይተጠቕምካሉ ትርጉም የብሉን ቂፄልዓ እንተፀገበስ ፡ ዘይጠሚ ይመስሎ,እንተመልኡልካስ ዝጎድል ኣይመስለካን እዝጊ ፀድፊ ፈጠረ'ሞ ፡ መደያይቦ ድማ ፈጠረ,እግዝኣብሄር ንኹሎም ሽግራት መፍተሒ ኣለዎ ኣቦኺ ቀሺ፤ ሕውኺዛቹናይ ፥ኮፍ ኢልኪ ቁረቢ,ከም ቤተሰብኺ ፅቡቕቲ ሰብ ኹኒ ንዖም ኣርብዓ ፋሲካ ደረቱ ንግራት ዓረሞ ደረቱ,ኩሉ ነገር መፈፀምታ ኣለዎ ቁንጪ ሓሚሙ ቁማል ተሓጐሙ,ካልኦት ብዝገበርዎ ሕማቕ ነገር ኻልእ ይቕፃዕ ካባና ዝገዳ ብሚሔ ማይ ይወርዳ,ዝገደዱ ዓያሹ እዝግን ንጉስን አይቅበፁን,ካብ እግዝኣብሄርን ንጉሱን መፍተሒ ኣጠፍእን ካብ ሓቂ ዝሕሽ ሓይሶት ፡ ካብ ምጋእ ዝሕሽ ምስሓት,ካብ ዝጎድኣካ ሓቂ ዘይጓዳእ ሕሾት ይሓይሽ ኣብ ዘረባ ፤ ዘሎ ዓፀባ,ካብዙሕ ዘረባ ትርፉ ችገር እዩ ኪድ ኣይትበሉ ከም ዝኸይድ ግበሮ,ክድ እልካ ኣቲዛረቦ ንክኸይድ ግን ደፋፍኣዮ ኣብ ገዛ ዝለመደስ ፥ኣብ ዕዳጋ ከይዱ ኣይተፅምሙና በለ,ኹሉ ነገር ከም ከዛኻ ኣይኮነን ጠስሚ ኣብ ርእሳ ዘረባ ኣብ መልሓሳ,ኹሉ ኣብ እዳ ኣብ ዝሑል ፀባ ዝለመደ ፅንፅያ ፥ ኣብ ውዑይ ፀባ እትዩ ሞተ,ኹሉ ከም ዝለመድኻዮ ኣይኮነን ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካ እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስካ,ወናኒ ዘይብሉ ነገር ትርጉም የብሉን ቄልዓስ ይጐዩ እምበር ኣይቅድምን,ዋላ ንግዝይኡ ተቐልጠፍካ ቐዲሙ ንዝጀመረ ኣትቕዲሞን ኣቦ ዘይብሉ ዘጋፍ ፤ ቤት ዘይብሉ ሃርጋፍ,ዋና ዘይብሉ ነገር መዕለቢ የብሉን ኣቦ ዘለዎ ዝበኪ ፤ ኣቦ ንዘይብሉ ከብኪ,ዘለዎ ዘንፀርፅር ንዘይብሉ ከኽፍእ እዩ እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ?,ዘይህብ ክልምን የብሉን ኣእማን ዝፈናቕል ብተመን ይንከስ,ዘይምልከቶ ዝሰርሕ ሕማቕ ይረክብ ኣብዘይ ክእለቱ ፥ ይስበር ምሕኩልቱ,ዘይትኽእኮ ነገር ኣይትስራሕ ኣቦኻ ዘይገበሮ ኣይትግበር ፥ ከበሮ ቀትሪ ኣይትህረም,ዘይኸዉን ነገር ኣይትግበር ኣብ ዘይዓቕመን ፥ ይስበራ ዓፅመን,ዘይዓቕምኻ ነገር ኣይትስራሕ ንጥሙይ ቅጫ ንፅሙእ ዋንጫ,ዘድልዮ ነገር ሃቦ ንፈላሲ ዳዊት ንሕፈስታይ ነዊት ንቄልዓ ሰዊት,ዘድልዮም ነገር ሃቦም ማይ ኢላ ከይዳስ ማይ ረሲዓ አተወት ,ዝሓሰበቶ ጉዳይ ከይገበረት ተመልሰት ማይ ከምዘይነፅፍ ዓሳ ከምዘይመውት,ዝተመቻቸየ ግበሮ ጌጋ ዘርኢ ንሓደ ዓመት ጌጋ መውስቦ ንዝንተ እለት,ዝተሰሓሓተ መውስቦ ናይ ዘንተ እለት ናስሕ እዩ ኣቦይ ፋሲል ፡ እዛ ሞትኩም ናይጥሜት ትመስል,ዝተሽገርካ ትመስል ኣቦይ ፋሲል ፥፤ እዛ ኣዳቕሳኹምስ ናይ ጥሜት ትመስል,ዝተሽገርካ ትመስል ንጥንቲ ዝኸውን ምኸር ፡፣ንስኒ ዝኸውን ንኸስ,ዝጠቅም ነገር ምረፅ ኣብ ከብዲ ፅጉብ የለን ጥሙይ,ዝፀገበ ሰብስ ዝጠመየ ዘሎ ኣይመስሎን ጋሻ ፣ ዓሻ,ጋሻ ምንም ኣይፈልጥን ጋሻ ኣየሰንየኒ እንተቐነየኸ ይጠልመኒ,ጋሻ ኣይእመንን ንጓል ወዲ ዓዲ ይሕፀያ,ጓል ዝቐረባ እዩ ዝምርዐዋ ንጓል ወዲ ዓዳ የሕፅያ,ጓል ዝቐረባ እዩ ዝምርዐዋ ኣቦይ ሰመረ ፤፥ ግራትኩም ሰብ ገበረ,ፅቡቕ ነገር ገይሩ በላሕናያ ክብላስ ፃሕሊ ይዓጥና,ፍልጠት ዘብልካ ፈላጥ እየ ማለት ኣይፅብቑን በሊዑ ዘይምርቕን ዕዳጋ ውዒሉ ዘይጥይቕን ሓደ,ክተመስግን ኣለካ ቋቕስያ ናብ ጥራጥ,ንእሽተይ ዝመጠኑ ቈልዓ አይወልድ ሓዊ አይፈርድ,ገና ዘይበፅሐ ቆልመፅመፅ ዝኣመሉ ሕምባሻ ይልሕስ,ኣመል ክትገድፎ ከቢድ እዩ ቃላት ዝደጋገሙ ኣይኮነን ንምስማዕ ፡ እንታይደኣ ንምፅናዕ,ብምድግጋም እዩ ዝፅናዕ ማንቲለ ካብ ሓብታዶይ ትፍለ,ሓደ ዓይነት ማአሰር ዘይብሉ ማእይ ይሰንዶይ,ዘይተወድአ ነገር ኣይረብሕን ማይ ነሓሰ ጥዑም እዩ ኣይስተን ዘረባ ድኻ ልኡም እዩ ኣይስማዕን,ተሰማዕነት ዝህልወካ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ እንትህልወካ እዩ ጠስሚ ኣብ ከብዲ ከልቢ ኣይትሓድርን,ዘይእመን ሰብ ብክባር ነገር ኣይትእምኖ ጊዜ ዘይገልፆ ምስጢር መንፊት ዘይግንፍሎ ክርዳድ የልቦን,ኩሉ ነገር ዝግለፅ ድሕሪ ጊዜ እዩ ደሓን ደሕን ይብሉኻ ፡ ክሳብ ዝሓምሉኻ,ኩሉ ድሕንነትካ ዝጥይቐካ ብሓቂ ተገዲሱልካ ኣይኮነን ደረቐኛ ሓምሓም ፡ ንእምኒ ሓደጋ ትወድቃ,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ ደረቐኛ ቁንዉ ፡ ስር ኢሉ ናብ ቅርቅርቲ,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ ደረቐኛ ኣንጭዋ ፡ ኣብ ክሳድ ድመ ትሰራሰር,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ ደረቐኛ ኣንጭዋ ፣ ኣፍንጫ ድሙ ተሽትት,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ ኩነትካ ኣብ ቃልካ ውርዝነትካ ኣብ ህድኣትካ,ምህዳእ ፅቡቕ ባህሪ እዩ ካባና ዘይሕሻ ብኣና ይውዕላ,ብዝትሕተካ ኢኻ ትሕመ ካብ መምህሩ ደቀመዝሙሩ ካብ ቀለም ከለም,ካብ ምምሃር ምስትውዓል ይሓይሽ እዝጊክ ሓዝንስ ወዲ ዋጣ ቀሺ ኾነ,ወዲ ቐሺ ደራፊ ክኸውን ውሑድ ተርእዮ እዩ እግርን መንገድን ከይተፈላለያ ይነብራ,ተፈጥሮኣዊ መደብ ስራሕ ( እግሪ ንምኻድ ) ንጉስን ህበይን ባዕሉ ይኹምር ባዕሉ ይብትን,መንግስቲ ግጭት ኮነ ኢሉ ዝፈጥረሉ ጊዜ ኣሎ እዩ "ንፅሕፃሕ እግሪ ኣልዒልካሉ ንኸልቢ ሃዲምካሉ እቲ ኣይፅገስ እቲ ኣይምለስ",ኣብ ፀገም ዘጋድድ ነገር ኣይትግበር ንፅብሓት ተዋግአላ ንኣየት ተፋተወላ,ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ ንፆም ግድፈቱ ንበዓል ስዕረቱ,ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ ንፈላጥ ኣይትፍለጠሉ ንበሊሕ ኣይትቑረፀሉ,ጎበዝ ሰብ ዓርሱ ይኽእል እዩ ንፉዕ ሕማቕ እንተወለደ ተዘምተ ሕማቕኝ ንፉዕ እንተወለደ ተቐልተ,ንዕዉት ሰብ ዝኽተል ዕዉት ክኸውን ግድን እዩ ንፋስ ኣህሪምካ ንሰብ ኣስሚዕካ,ኩሉ ሰብ ይስመዓዮ ኣርሓ ከይሰወደ ፃህያይ ሱር ከይሰደደ,ፀገማት ብገንኦም ምፍታሕ ኣርእዮም ኣይኸልኡኻ ፡ ኣስሚዖም ኣይጥለሙኻ,ዝሃረፍካዮ ነገር ኣዪኽሉእኻ ኣርኪባስያ ዓርቢ ሞይታ,ትኽክለኛ ሰዓት ኣይኮነን ኣሳጉማኡ ርእዮም ጭብጦኡ የሕድግዎ,ትሑት ከይዲ ኣፈፃፅማኻ ክትረኽቦ ዝግበአካ ከይትረክብ ይገብር እዩ ኣስሚዖም ካብ ዝጠልሙኻ ብኩናት ይውግኡኻ,ቃል ዝኣተኻዮ ምጥላም ከቢድ ጥቕዓት እዩ ኣስተውዒልካ ትናገር ከይትርታፅ፡ ተዓጢቕካ ትቓለሰ ከይትምንታእ,ድልዊ ኰይንካ ነገራት ምፍፃም የዐውተካ እዩ ኣሻዓል ድኸነት ኣብ ቤት እንተገደፍካያ፡ ኣብ ግዳም ወፂኣ ተእዊ,ስእነት ኣብ ዝኸድካዮ እዩ ዝግለፅ ኣሽንኳይ ነፀላ ወሲኻትሉ መዛወሪ ፡ ብቐደማኳ ዘዋሪት እግሪ,ዘዋሪት እያ "ኣሸንኳይ ንሞት ንእርጋን""ኳ ይፀንሕዎ በለ ኣንበሳ",እርጋን ካብ ሞት ዝኸፍአ እዩ ኣሸንኳይ ንቤቱ ፡ ይተርፍ ንጐረቤቱ,ብርቱዕ ሰራሕተኛ ኣሻበኸን ሓደ ጣሳ ከይሰተኸን በለታ እንቁርዖብ ነንጭዋ,ፈጢንኪ ሰኺርኪ ኣቐምጥ ዝበልዎ ኣየጥፍእ ፡ ኣፀብኝ ዝበልዎ ኣየኸፍእ,ሓላፍነታዊ ኣቐምጥ ዝበልዎ ዘጥፍእ ኣፀብቕ ዝበልዎ ዘኸፍእ ፡ ንሓዋሩ ክኸፍእ,ዘይሓላፍነታዊ ሰብ ኣብ ሕማቕ ይወድቕ ኣቡን ቀሺ ድዩም? ንንዳማቶምኳ ዘቐሽሹ,ዝተፈለጠ ቐሺ ኣቡኡ ዝላፃይኡ አዲኡ ዝተሓዚቱ ከይተጐድአ ይነብር,ዝድግፉኻ ውለዲ እንትህልዉኻ ኣይትጕዳእን ኣቡኡን ኣዲኡን ዝሞቱሉ ፅግኢን ነግፊን ከም ዝገደፍሉ,ውርሲ ዝርከብ ክልቲኦም ወለዲ እንትሞቱ እዩ ኣብ ልዕሊ ቆፀራ ኣይቋፀሩ ኣብ ልዕሊ ጥሉል ኣየቃፅሉ,ትሑዝ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣይፈርዱ ኣብ ልዕሊ ማይ ሓዊ ኣይኣጉዱ,ናይ ስልጣን ገደብ ኣብ ልዕሊ ግዚ ኣይግዝቱ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ኣይኣጉዱ,ናይ መወዳእታ ስጕምቲ ኣብ ሓባል እትረአ ኩሕሲ,ዝትጋደደ ሕመቕ ኣብ ሓው የለን ቀረባ ኣብ እምኒ የለን ዕምባባ,ደረጃ ክወፀሉ ዘይግባእ ዝምድና ኣብ መንጐ ክልተ ጎባይ ፡ ዝተሓብአ ብዕራይ,ኣብ መንጎ ህርኩታት ሰራሕተኛታት ዝመሳሰል ሃካይ ሰራሕተኛ ኣብ ምሳሕ ዘይፀውዕዎ ደብተራ የላዓዕል ሻራ,ሴራ ዝብገስ ካብ ጥቕሚ ምጕዳል እዩ ኣብ ክሳድ ሓዲዳ ኣላትኒ ዕዳ,ብዛዕባ ዕዳ እናማረርካ ክባራት መመላኽዒ ክትገዝእ ሓቢሩ ኣይኸይድን