ProverbEval / tir /tir_all.csv
israel's picture
Upload tir_all.csv
c0ff625 verified
Proverb
ልቢ ሰብ ክትምርምር ብናትካ ጀምር
ሃላይ ሰዓሚ መበላሸዊ ጭሕሚ
ሃመማ እንተ በዝሑ ተፈይቶ፡ ኣልባ ነይከፍቱ
ሃበኒ ህበይ ይገብር
ሃብቲ ብዕድል፡ ስራሕ ካብ ግድል
ሃብታም በዲሉ ይብል ፈንጠርጠር፡ ድኻ ተበዲሉ ይብል ቀብጠርጠር
ሃብታም ብኸንቱ፡ ድኻ ብጉልበቱ
ሃብታም ብወርቁ ድኻ ብጨርቁ ኩሎም ይጭነቑ
ሃብታም ብዘይ ድኻ ኣይኮርዕን፡ ድኻ ብዘይ ሃብታም ኣይበልዕን
ሂብካ ኣይትኽላእ ፈቲኻ ኣይትጽላእ
ህውከት ይሰድድ በረኸት
ንጽብቕቲ ጸወታ ሃበኒ ጸየቐታ
ለባም እንተ ፈከረ ዓሻ ይወግእ
ለጋስ እንተ ለገሰ የለቅሕ እምበር ኣይህብን
ልቢ ውላድ ቀጥ ልቢ ወላዲ ቀጥቀጥ
ዘየለቅሕ ቀታሊ ዘይመልስ ከታሪ
ሓባል በልያ ከይቀደመትኪ
ሓያል ውሕጅ ንዓቐብ
ሓዳረይ ዘሪገዮ ብጽጋበይ ዝምለስ መሲሉኒ ከም ቀደመይ
ሕማቕ ሰኣን ዓቕሙ ሓላል ሽሙ
ሕማቕ ንፉዕ ወለደ፡ ተቐልተ! ንፉዕ ሕማቕ ወለደ፡ ተዘምተ
ሕራይ በላ ኣይተጻዕድወላ
ሕኑቕ እንታይ የውጽእ? ዓፍራ
ምሉእ ባዕሉ ይኩዖ ሕጹይ ባዕሉ ይምር
ሰኣን ሕራይ ኣጥፋእክዋ ናብራይ በለት ሰበይቲ
በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን
ባዕላ ዝሰበረታ ጻሕሊ ሓጺባ ከም ዘንበረታ
ብሒም ዝበለ ይተሓጎም
ተሓቢአን ይጠንስኦ ሰብ ኣኪበን ይሓርስኦ
ተሓጓሚ ከሎ ተሓዝ ልቢ ይጠርጥ
ሕልሚ ፈሪሖም ድቃስ ለይቲ ይስእኑ
ሕማቕ ይረግም ሓያል ይድርግም
ካብ ጽንጽያዶ ሓኸለ?!
ሓላው ስብ ጸሊም
ቀሺ ናብ ዳዊቱ ሓረስታይ ናብ ነዊቱ
ብኾበሮ ኣብያስ ብሕምቢጣጦ
ሓቅን ጸሓይን እናጸንሓ ይደምቃ
ኩሉ ሓላፊ ስም ተራፊ
ካብ ሕሜት ጥሜት
መናበሪ ገዲፎም መናገሪ
መን መርዓት ኢሉክን ትኮሓላ?
መን ምዃንካ ክነግረካ መኻይዲ መን ምዃንካ ንገረኒ
መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ
መገዲ ምሰ ወዲ ዓዲ
ንምድሪ ኣይህቡላ ስድሪ
ንብርቱዕ ምጉት ኣይትተሃወኸሉ ንነዊሕ መገዲ ኣይትጉየየሉ
ኣብ መገዲ ኣይሶጉሙልካ ኣብ መኣዲ ኣይቐድሙኻ
ኣብ ዘይመንጠቢትክን ኣይተአትዋ ኢድክን
ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ
ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣይፈርዱ ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይኣጉዱ
ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ
ማይ ኣይጓዳእ ዘረባ ኣይውዳእ
ትምባኾ ካብ ጋሻ ምስላ ካብ ዓሻ
ዘሎ ዘይመውት ዝሞተ ዘይነበረ ይመስል
መልክዕ ህድሞ ገበላ፣ መልክዕ ክዳን ነጸላ፣ መልክዕ ዘረባ ምስላ
አቦይ ኣይትሕለቡ ዝብል ንገዝመይ ፥፤ አደይ ሕለቡ እትብል ንጐምቦይ
ኣቦ መፀውዒ፥ ሰፍኢ መቐውዒ
ኣብዑር ነዳይ ፥፤ለይቲ ብዙሕት
ኣብ ኢድ ወዲ ሓላልካ የውድቐልካ
እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻን ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካን
ጋሻ ካብ ድራሩስ ምድቃሱ
ቆልዓን ንጉስን ዝብሉዎ ይገብር
ካብ መርዓ በዓለገ ፍትሕ ጭዋ ይሓይሽ
ቁማልጫ ስረኻ የፍትሕ
ኣብ ርእሲ ኣላታ ፡ ተወሰኸታ
በላዒ ከሎ ዘራኢ ይሕጎስ
ኣብ ሕሱም ብዕራይ ውዒልካ ኣብ ሕስምቲ ሰበይቲ ኣይትእቶ
ኣብ ኣዲኣ ዝለመደቶ ኣብ ሓማታ ደገመቶ
ንጉስ ክትረክብ ትናገር ፡ ውሕጅ ክዛሪ ተሻገር
ኣብ ብልዒ ብዙሓት ፡ ኣብ መላእኸቲ ጥምዙሓት
ኣብ ልዕሊ ዘሎካ እንተዝውስኹኻ፡ አብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝመኸሩኻ
ሓደ ከይበልካ ክልተ የለን
"ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ ፡ አብ ርእሲ ሃብትኻ እንተዝውስ
ኹካ"
ኣብ ርእሲ ኣደ ሓትነ ኣብ ርእሲ ነፀላ ዲኖ ፡ ረጐደ
ኣቲ መን በሊዕዎ እቲ ሓኸለ? ወዲኻይዶ ኣይንሀን ዝኣኸለ
ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ደቅስ
ኣብ ምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ድቃስ፡ኣታ እዛ ናይ ድቃስ ዘይተደቅስ
ቁሪ ሰሜን ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቓቹፍ
እዝጊ እዝጊ ኣይትበል እዝጊ ዝፈትዎ ግበር
ግረፍ'ሞ ካብ እግሪ ኣይትሕለፍ
ማይ ከይመፀ ፡ መገዲ ማይ ዕረግ
ጠሚትካ ተናገር ፡ ሓምቢስካ ተሳገር
ሓዊ እንተተደጎለ ዝጠፍአ ይመስል
ልቢ ሰብ ክትምርምር ብናትካ ጀምር
ኣቦኹም ገዲፍኩምስ ፥ ኣቦና ኣቃብሩና
ሃበኒ ህበይ ይገብር
ካብ ሓምሳ ፅንጉለ ሓንቲ ለሚን
ቄርበት ተኸዲንካ ዝብኢ ውጋእ
ኣባ ጉንባሕ ዘይግራቱ ይኾልል ሕማቕ ሰብኣይ ነመንዝራ የዕልል
ኣብ ርእስኻን ከም ጠስሚ ኣብ እግርኻን ከም ሳእኒ
ኣርሓ ነርሓ እንተተዳፍኡ በዓል ጐፋፍ መፋፍ ይጉድኡ
ንጉስ ካብ ዝሞቱ ብመን ይማጎቱ
እግርን ማአለማን ፡ በበይኑ ምዓሉ
እግርን ከበሮን በበይኑ ምዓሉ
ኣቦ ኸሎ ለግስ ፤ብርሃን ከሎ ገስግስ
ቂም ሒዝካ ፀሎት ቁምነገር ሒዝካ ተረት
ኣብ ሕፀኣ ዘዋረረት ፡ ኣብ መርዓኣ ተቃትል
ኣብ ጥፉእ ፡ ኣይትዛረብ ክፉእ
ካብ ሃገራ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ
በሃም ኣይመዓድ ዝሞት አይፀዓድ
ቁልምፅ በልያ ፡ ከይችቕድመኪ
ጋዕሲ ኣይኸውን ብዘይ ርእሲ ከብዲ አኣይድልድል ብዘይ ፈርሲ
ኣብ ቅድሚ ስራሕ ኣይትዕናሕ ኣብ ቅድሚ ኣንበሳ ኣይትግናሕ
ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይዛረቡ ዋዛ ኣብ ቅድሚ ቁልዓ ኣይቐርሱ ሃንዛ
ቃል ንጉስ ኣይሕሶ ዳጉሳ አይብሶ
ንፋስ ክለዓል ሓዊ ኣይፅሕርዎን
ኣብ ዝተኾብካሉ ሃገር ፡ ተተኹብካ ኣይትሕደር
ኣብ ዝኾራዕካሉ ሃገር ፡ ተቓባጢርካ ኣይትንበር
ኣብ ዘሎ ነገር ፤ ኣብ ዘሎ ማህገር
ኣብ ዕዳጋ ዘይፈሱ ፡ መወፅዒ ነብሱ
ንፉዕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ደም፡ ሕማቕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ሀደም
ኣብ ኢድካ ኸላ ኣይትስደዳ ንቐላ
"ኣብ ቄልቋል ኣሚንካ ኣይተፅልል ጓና ፈተወኒ ኢልካ ሓውኻ
ኣይተቕልል"
ጌርካ ንዘይትኸእሎ ፀላእየይ ኣይትበል
ኣብ ከብዲ ከልቢ ፡ ነይሓድር ጠስሚ
ቅንኢ ምስ ፍቕሪ ፡ ሰዓል ምስ ፍግሪ ፡ዘይሰልጥ ግብሪ
ቃል ንጉስ ነውሐ ኢልካ ኣይተሕፅርሮ ሓፀረ ኢልካ አይተንውሖ
ኣብምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ስዋ ናይስዋ ሓሸውሸዋ
ንፋስ ዘይብሉ ዓውድን ሽማግለ ዘይብሉ ዓድን ዋጋ የብሉን
ኣብ ምልሕላሕ ነፍሱ ፡ ኣብ ምስያብ ርእሱ ቈልዑ ዝሓድግ ኣባኢሱ
ጊዜ ዘይብሉ የልቦን ካብ ዕድሉ ዝሓልፍ የልቦን
ቅንጨስ ክውለድ ፍርቂ መለሊኸ
ሃብታም ብገንዘቡ ድኻ ብጥበቡ ይቀራረቡ
ሃብታም ብወርቁ ድኻ ብጨርቁ ኩሎም ይጭነቑ
ፈላሲ ኣብ ደብሩ ኣንበሳ ኣብ ዱሩ
ቆቢዕ ንመነኩሴ ፍልጠት ንስላሴ
ቄልዓ ብዘይ ወላዲት ገዛ ብዘይ ጉልላት
ቆቢዕ ንፈላሲ ፡ ክሲ ንኸሳሲ
ካህን ኣብ መቕደሱ ንጉስ ኣብ ኣደራሹ
ኣብ መረብ ፅግኢ የብለይ ፡ ምሰ'ንበሳ ፅልኢ የብለይ
ኣቦ ኣይቕፃዕ ፥ ሰማይ አይውፃእ
መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ
በሃር የፀቢ ንዳሓር
ንፈታዊ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ
ልዕሊ ብጾታ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ
እዝጊ ዘየርክቦን ማይ ዘየጠልቅዮን የልቦን
እዝጊ ዘይኣምን ኣረ ደብሪ ፣ በዓቲ ተደጊፉ ይሓድር
እዝጊ ዝፀልኦ ብዕራይ ፡ ምስ አጣል ይጓሰ
እዝጊ ዘይባረኾ ቀሺ ነይከውን
ኣብ ከብዲ ዘሎ እዝጊ ይርአዮ ፡ ኣብ ዓይኒ ዘሎ ሰብ ይርእዮ
ደምበ ሕፀር ፡ ኣሓ እዝጊ ይህበካ
ኣብ ንጉስ ዝኣቱ መዓርን ኣብ ኣረጊት ዝኣቱ ሰዓልን ኣብ ዘዘለዎ ይውዕል
ንጉስ ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይጐርሱ ንጉስ ዘይብሎም ፀናፁ ግምቢ ይልሕሱ
ኣብ ንጉስ ዝበለ ኣይከተር ኣብ እዝጊ ዝበለ ኣይቀተል
ኣብ ንጉስ ዝሓድር ኣዲኡ ነይቀብር
ልብን ሳዕርን እናሓደር ይበቁል
ኣቐዲምካ ምስጋና ንደሓር ምሕማይ የሸግር
ኣብ ሸውዓተ ኣንድድሞ ኣብ ዝሞቐካ ስሓን
ንጥዕና ኣይገብርዎ ሃብቲ ንመጥሓን ኣይገብርዎ ከብቲ
ንጥዕና ኣይገብርዎን ሃብቲ ንኣድጊ ኣይብልዎን ከብቲ
ኣተለበቀልን ዓሶን ፥ ንዓፅምኻ ይሳ
ኣብ ሰማይ ዘሎ ማይ
ኣብ ሰማይ ዘሎ ዳመና
ቀጢነ እምበር ሜስየ ደኸየ እምበር ጭኖ እየ
ኢድ ፀናሒት ሸናሒት
ኣታ እኽሊዶ ክንድዚ ይዕላእ ፤ እንድሕር ፀጊብካስ ዘይብላዕ
ኣብ ከብድኻ ዝኣቱ ወዲ'ናኖኻ ነይረኸቦ
ቀፃዒ ዘይብሉስ ሰይጣን ቀፅዖ
ጋሻ ኩንካ ምፃእ ከይተመኖኻ ውፃእ
ኣብ ክንደይንሳ ፡ ማርያም ትቦንቁሳ
ንፀዋይ ሓቂ አይብልዎን መማረሪ
ኦም ኣብ ዝዘንበሎ ይወድቕ
ቁስሉ ዝሓብእ ፈውሱ ይሓብእ
ሓባእ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ
ኢድካ ሓሊፉ ከይትፀንሓካ ኣይትበድል ተቓዳዲምካ
ካባና ዝዘላስ ፡ ዝዓበዳ በለት ማንቲለ
ቀዲሙ ዝሸወተ ዑፍ ይበልያዖ ቀዲሙ ዝተዛረበ ሰብ ይፀልኦ
ልቢ እንተ ኣለካ ተኸተል ሓለቓኻ
ንጉስ ዘይብልኩም ኣይትግሹ ሰበይቲ ዘይብልኩም አይትሕረሱ
ኣቦይ ደሱ መጉእዶ ፥ ትትርኣሱ ፡ጓልዬ እንተረኺበዮዶ
ንጓል ተሓዊኺ በላ ንመሸላ ትፃሂኺ በላ
ንጓል ተሓኺ በላ፡ንስገም ክትዕፀዲ ኢኺ በላ
ኣብ ሰብካ ዘሎ ገንዘብን ፡ ኣብ ዓፅሚ ዘሎ ስጋን ከይተገየፅካ ኣይወፅእን
ንፉዕ ኣይትኹን ሓው ንሩፅ ኩን
ንፉዕ ካብ ምኺን ሓውንፉዕ ምኺን
ካብ ሕቡእ ፈታዊ ግሁድ ፀላኢ
ካብ ሓይሊ ሰብ አምቦሎት ሐይሊ ሰብ ፀሎት
ካብ ሃብታም ምልማን እዝጊ ምእማን
ደመና ዝጨበጠን ፡ ሰማይ ዝሕንጠጠን የልቦን
ጠበቕ ርእሱ እንተነቕኝነቐ ዘረባ ዝፈልጥ ይመስል
ኣብዚ ፅቡቕ ዓዲ ምኾነ ፥ማይ ከም ደመነ
ኣብኡ ከለኻ ፥ከመይ ኣሎኻ
ቄቁልዓ ፈታዊኡ ይፈቱ
ቁርዖ ክንዲ ብፅራይ ክትኣክል ክትብል ተነፊሓ ሞተት
ከለኻ ፍቅሪ ሕኔአ ንሞት
ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት
ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፡ አብቱሽቱሸን ዘሎ ይሰዳ
ቅድም ኣፍ የሞጥምጡዎ ደሓር ይፋፅይዎ
ግራት መን ኢልካ ሕረስ ሰበይቲ መን ኢልካ ውረስ
ኣብ ኢዶም ጭብጥ ፡ ኣብ እግሮም ርግፅ
ቀዳማይ ስሕታን ዳሕራይ ዕብዳን
ንፉዕ ወይ ምስ ሞተ ወይ ምሰለገሰ ይዝከር
በላሕ ካራስ ፡ ካብ ዓፅማ ኣይትሓልፍን
ገንዘብን ሓጥያትን ተዋህላሊ
ኣብ ክንደይ ንሳ መጥሓን ይፈርሳ
ኣቦይ ጋሻ፥ኣነ ዓሻ
ካብ ሕሜት ጥሜት
እዝጊ ክገብር ፦፡ ወርሒ ፀሓይ ይገብር
እዝጊ ክገብር ዳኛ የንብር
እዝጊ ክገብር ፀሓይ ቀትሪ የንብር
እዝጊ ክፀልእ ዝናብ ክመፅእ ደገ የውፅእ
ቄልዓ እንተለበመስ ኣብ መንገዲ ምሻን አይሓድግን
ኣብ ኣፉ ዝሃቡዎስ ስሱዕ ይብሉዎ
ኣብ ሓደ ዝፋን ክልተ ምንጋስ ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ
ንጥዕምቲ ብኸያት ቅብጥርጥር ትፅይቓ
ኣቦይ ዝበልዕዎ ጠጥፅሙ ፥ ንዓይ ገዲፎሙለይ ፀፀገሙ
ቄልዓ ዝበለ ፦ ቄልዓ ኣኸለ
ኣብ መርዓ ዘይተረኸበስ ፡ ኣብ ኣርበዓ
እዝጊ ይምሓርካ ይብሉ መመዒኦም እዝጊ ይቕተልካ ይብሉ ወወዒኦም
ጌጋ ናይ ሰብ እዩ
ቅዱሳን አብዘይተቋፀርሉ ያራኽኸቡ ፡ ሓጥኣን ኣብ እተቋፀርሉ ይሰኣኣኑ
ኣታ ወዲ ኣታ ወዲ፤ኣይትሓዘኒ ነዛ ኢደይ ከይትዓዲ
ጋሻ ክረምቲ ካብታ ድራርካ እታ መንፀፍካ
ቀጣን መዓልትስ መተዓዛዘቢት
ኣብ ውግእ ዘይወዓለ ፡ በሊሕ
ካብ ሕሱም በቕሊ ብሩኸ ኣድጊ ይሓይሽ
"ኣብ ሰማይ ዘሎ ምዖታት ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ መዓታት ኣበይ ርኢኻዮ?
ኣመፃፅእኡዶ ስሒተዮ "
ኣብ ኣንፈ ኩናት ፍርሂ ኣብ ኣንፊ ብልዒ ህርፊ
ኣብ ማእኸል ድውያት ሓደ ኢዱ ብርቂ
ሕራይ በላ ኣይተጻዕድወላ
ካብ ሀገር ዝገዝእ ሰብነቱ ዝገዝእ ይበልፅ
ህሩፍ ንኣመሉ መገዲ ዕዳጋ ይጸቦ
ኣብ ምድርቤት ተፃዒኑ ኣብ ገበላ ኣይዘንብል
ሃህ ንዝበለ ኣንበሳ ኣይትቃለሶ፡ ስጋ ኣኾልሶ
ጋሻን ሞትን ዝመፅሉ ኣይፈለጥን
ኣብገዛ ዘይፈረደ ፤ኣብደገ ኣይፈርድን
ኣብአ- ዘይነበረ ፤ ኩቦ ዘይወርወረ
ቁሩብ ዝእምነቱ ቁሩብ ዝኸሕደቱ
ንፀብሒ መን ይፈልጦ ? መንቀላወጢ
ላዕላዩ ዝተዘርገ ታሕታዩ ነይጸረየ
ንጥዕምቲ ፀወታ ሃበኒ ፀየቐታ
ማይ ንኹሉ ይወቕያሞ ንዳዕሮሰ የጣቕዓሉ
ጋሳን ድንግልን ዘይሓደ ጊዜ ኣይበቁልን
ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬት ሰብ ነይሩ ነይሩ ናብ ሞት
ማይ ባሕሪ ዘይረአየ ማይ ፃሕሊ ረአኹ በለ
ማይ ተፀሞቕኝካዮ ማይ
ማይ እንተሓቐንካዮ ማይ
ኣብ ከተማ ለጋስ ኣብ ዓመቱ ዘጋፍ
ካብ ሓፁር እሾኽ ሓፁር ሰብ ይፀንዕ
ቁም ከም ዕላማ ጥበቕ ከም ጫማ
ኣብ ስቕ ዘሎ ደስታ ፡ ኣብ ፍቕሪ ዘሎ ፀዋታ
"ኣብ ፅቡቕ ዘሎ ኣብ ክፉእ ዘሎ ይመስሎ፡፤ ኣብ ክፉእ ዘሎ ኣብ ፅቡቕ
ዘሎ ይመስሎ"
ጓል ዝተበኮረ ምስ ኣቦይ 'ዝጊ ዝተማኸረ
ደም ስኒ ፡ ካብ ትፍ ትብሎ ትውሕወጦ ይበዝሕ
እዝጊ የርእዮም ንጉስ የመልክቶም
ካብ ሎሚ ዝገርገረ ዝብኢ ኣየሕድረናን
ኣቦ ካብ ዝሰኣነ ፤ ጠባይ ዝሰኣነ
ኣቦ ኣይኸሰስ ፥ ንሂጉ አይኹልሰስ
ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይወስዶ ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይወስዶ
ካህን ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻ ንጉስ ዘይሓዝካሉ አይገንዘብካ
ኳሓሎ መሲለንስ ፡ መንቋሮ
ኣቲ ጓለይ ፥ ይብላ መቐለ ሓንቲ ጓል ዘይብለን
ቀጢነ ሪኡኒስ ጅማት ለሚኑኒ
ካባና ዘይፈልጣ ተጎንቢሐን ይጠርጣ
ኣብ ክንደይ ሓይሎም ፡ ንዋጋእ ኢሎም ንንፉዕ አቕቲሎም
ኣብ ቤትካ ይኣትዉኻ ዕራቐትካ ይርእዩኻ
ኣብ ክንደይ ኣእምሮኦም ይኸፍእ ፈኸረኦም
ኣብ ከብዲ ዘሎ ፡ ወዲ'ዶ ጓል ንበሎ
ማይ ንዝፀምእ ፡ ምኸሪ ንዝሰምዕ
ጋሻ ቅድም ወርቂ ደሓር ብሩር ደሓር ጨርዊ
ጋዕስን ስዋን ብሓደ መዓልቲ ኣይበፅሕን
ኣብ መቕሎ ዘሎ ዘየንጣዕጥዐ ፡ ኣብ ሰፍኢ ዘሎ
ቀራናት ፈሪሔንስ ንጓዕማማት
ንጋሻኻ እተቕርበሉ ሰኣን ይብል ሕሱም ረጋሚ
ኣቡኡ ዝፀልአ ኣቦ እንዳማቱ ይፀርፍ
ኣብ ቅድሜኻ ዘይተፀብሐት እንጀራ ፡ ቆሪስካ አይትብልዓያ
ማዕተብ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን
ኣብ ቆፎ ዘሎ ሓንፈፅ አብ ግዳም ዘሎ ድኻ የውቅዕ
ኣብ ሰበይትን ኣብ ማይን ፡ ዘይበፅሕ የልቦን
ማይ ናብ ሩባኡ ዕንዳይ ናብ ኣዲኡ
ሃይሞኖት ዘይብሉ ሰብን፡ ልጓም ዘይብሉ ፈረስን ሓደ
ኣቦ ዘይብሉ ቄልዓ ዘጋፍ ፤ ኣላይ ዘይብሉ ብፅራይ ደርጋፍ
ኣቦ ኻልእ ዝፀርፍ ፥ ነቡኡ ከፅርፍ
ኣብ ኢድካ ዝሓዝካዮ ወርቂ ፡ ዳርጋ ጨርቂ
አብ ኩናት ዘይወዓለ ሃጥር
ጌጋ በትሪ ንሓደ መዓልቲ ጌጋ ፀርፈ ንጥንቲ
"ኢድካ ኣብ ቀላይ ምለስ እንተረኸብካ ዓሳ ትሕዝ እንተሰኣንካ ተሓ
ፂብካ ትወፅእ"
ቃል መቕቱል ይብል ዓረበታይ
መገዲ ምሰ ወዲ ዓዲ
ኣቦኻ ነበረ ፥ ከምዚ ነይገበረ
ጋሻ እንተሃብዎ ይብላዕ እንተኸልእዎ ይጠላዕ
"ጋሻ መጀመሪያ ወዲዝጊ ደሓር ወዲሰብ ሳልሳይመ ዓልቲ ወዲ
ኸልቢ"
ኣብ ሰማይ ጣዕሳ የልቦ ኣብ ልዕሊ ወላዲ ቅፅዓት የልቦ
ካብ ህበይ ቆንጆ እንታይ ይምረዖ
ቄርበት እንድሕሪ ነቂፁ ፡ ስም እንድሕሪ ወዒኡ እቲ አይጥቕለል እቲ ኣይምለስ
ኣብ እምኒ ኮንካ ኣይንዋሕን
ቁመትን ሸመትን ተመኒኻ ኣይርከብን
ሓሶት ኣየቕይሕን እዩ
ኣብ እንዳቦኻ ኣይትከተር ፡ ኣብ እንዳኖኻ ፆም ኣይትሕደር
ኢድካ ሓሊፋ ትዕናሕካ
በሊዕካ ከም ኣንበሳ ደቂስካ ከም ሬሳ
ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፍንትኸሸን ይፈትሓ
ቈይምካ ተኸራኸር ፡ ዜርካ ተመሳኸር
ካብ ሃገሩ ዝወፀ ክሳብ ዝምለስ እንተፀዓንዎ ኣድጊ እንተለጎምዎ ፈረስ
በሊዓ በሊዓ ጨው የብሉን ፡ ፡ ከይዳ ከይዳ መገዲ የብሉን
ኣብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ ከም ዝደበሰካ
አብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ከም ትኻን
እግሪ ብፃይካ ርኢኻ ፣ ደብል
ኣብ ምንታይ ቌምካ ንዝጊሄር ትሓምዮ
ኣብ ጊዜ ድራርካ ዝመፀካ ፥ ከም ዝደበሰካ
ኣቕሓ ስኢንና ሓቢርና በሊዕና እምበር መኣዝ መዛኑ ኬንና
ኣብ መርዓ ጓላ ፡ ቀላቕል ምዓላ
በሰለ ንብላዕ ፡ በፅሐ ንዝራእ
ኣብ ዓቐብ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ ፡ ኣብ ጐልጐል ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ
ኣብ ውሻጠ ተፃዒና ኣብ ምድር ቤት አይተዝብል
ማፅዖኣ ሂባ ኣዛብእ ይውድእዋ
ማፅያዖኣ ሂባ ዝብኢ ትብላዕ
ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበይ
ልሙጽ መልሓስ እናሓደረ ይሕርፍፍ
ኣብ ዳኛኻ ስማዕ ፡ ኣብ ዋልታኻ ፅናፅ
ማዕዳ ልቢ ተመሊሳ ንዓዳ
ንጉስ ዝፈርዶን ፡ ጥንስቲ እትወልዶይን ኣይፍለጥን
ንጉስ የናብር ፍትሒ ይሕብር
ንጣይታ ብቨሮ ንትልሂት ብኸበሮ
ሓዊ ሓሚሙ እንተደቀሰስ ፡ ሓሰር ክበጽሖ ከደ!
ማየ ማይ ይኸይድ ዓሳ ጐልጐል ጐልጐል ትኸይድ ቃርሳ
ንጉራዴ በውላጋኣ ዝሓዛ ይመልካ
ቄልዓ ብንኡሱ ቆርበት ብርሑሱ እቲ ይቕለስ እቲ ይጥቕለል
በሊዓ ትጠሚ ነዓይ ከተሕሚ
ኣብዘይናታ ፥ አይትማወታ
ኣቦኻ ርገም ፥ኣቦኻ መርቕ
ቃል መላኺ ጉርዲ የብሉን
ኣቦይ ዘምፅአለይ ፥ገምቦይ ዘፍልሓለይ
ኣቦይ ዘፅንሐለይ ፥ ገምቦይ ዘፍልሐለይ
ኣብ ዘይንብረቱ ፡ ይስበር ምሕኩልቱ
ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቄልዓ ፡ ኣይትልከ
ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ
ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ
ኣቦይ ፍቓዱ ፡ባዕፅሎም ዝነኣዱ
ኣብታ ናታ ፡ ኣይትማወታ
ንግራት ዓረሞ ደረቱ ንነገር ፈፅሚ ደረቱ
ቁልዓ እናመንደዱ ጨው እናነገዱ
ቁሩብ ቆሎ፣ የብፅሕ ናብ ሕንሻሮ
ጋምስታ ብመረብ ትዕበ
ቁርዲድስያ ቁምነገረኛ ክበሃል ኣብ ቆርበት ተጣቢቹ ይመውት
ቆርበት ብዕንጉለ ይምለጥ ፡ ጎራሕ በዘራርብኡ ይፍለጥ
ኣብ ገዝኡ ደርሆ ዘላቶ ፥ ቆቓሕ ትተሓዘሉ
ካባኻ ንዘይሓልፍ ጋሻ ጠጠዊቕኝካ ሰዓሞ
ኣተሓልባ ገመልን ፥ዘረባ ፈታዊኻን ብደውካ
ንጉስ እንተረአኹስ ጥራዕ ጥራዕ ይመፀኒ
ንጉሆ ዘይትስእሲ ፡ ሓደ እግሩ ደገ ይሕድር
ንጉስ እንክቹጣዕ ፡ ቀሰይ ኢልካ ውፃእ
ጠላም ብፃዩ ረቢ ፈዳዩ
ማሕበርካ በኾረ ሻራኻ ተሳዕረ ኣይበሉኻ
እፈትዎ እምበር ይፈትወኒ'ዩ ኣይትበል
ኣብ ዘይነገርካ ህልኸ ፤ ኣብ ዘይፀብሕኻ ጥልቕ
ኣብ ዘይናትካ ኣይትበኣስ ፡፤ ደሕር ከይትጠዓስ
ኣብ ዘይርስቱ ፥ይስበር ምሕኩልቱ
ኣብ ዘይቦትኡ ዝተሰብረ ንምፅጋኑ አሸገረ
ኣብ ዘይመንጠቢትክን ፥ ኣይትእትዋ ኢድክን
ኣብ ዘይሞታ ፡ የማውታ
ኣብ ዘይፈልጦ ጭብጢ ዚአቱ ፤ ንሸፋጢ ጥሪቱ ፥ ንዳኛ ንዋቱ
"ኣብ ዘይዓድኻ ሽመትን ፥ አብ ውሽጢ ፀልማት ሳዕስዒትን ፤ ዝርእዮ
የብሉን"
ኣቦ ይቐፅዓካ ፥ ጐምቦ ይህበካ
ኣቦኻሲ ገፊሕ ደምበ እምበር ፤ ገፊሕ ገዛ ኣይግደፈልካ
ኣቦይ ፅናሕ ፤ ኣነ ክዛረብ
ንጉስን ጳጳስን ታቦትን ማሕረስን
ቀጣን ኣውያትስ ፡ መተዓዛዘቢት ክልተ ደቅኖ
ኦም ሓዝ ሓረግ ክተሓዝ
ኣብ ከብዲ ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ገንኢ ዘሎ መብራህቲ
ቂፄልዓ እንተፀገበስ ፡ ዘይጠሚ ይመስሎ
እዝጊ ፀድፊ ፈጠረ'ሞ ፡ መደያይቦ ድማ ፈጠረ
እዝጊ ዝኣክል ጐይታ ፡ገነት ዝኣክል ቦታ
እዝጊ ይርዳእኻ ዳርጋ ትኳቦ
ኣቦኺ ቀሺ፤ ሕውኺዛቹናይ ፥ኮፍ ኢልኪ ቁረቢ
ኣብዑር ምስላ ለመዱ ፤ ሳዕሮም በሊዖም ከይኸዱ
ንዖም ኣርብዓ ፋሲካ ደረቱ ንግራት ዓረሞ ደረቱ
ቁንጪ ሓሚሙ ቁማል ተሓጐሙ
ካባና ዝገዳ ብሚሔ ማይ ይወርዳ
እዝግን ንጉስን አይቅበፁን
ካብ ሓቂ ዝሕሽ ሓይሶት ፡ ካብ ምጋእ ዝሕሽ ምስሓት
ኣብ ዘረባ ፤ ዘሎ ዓፀባ
ኪድ ኣይትበሉ ከም ዝኸይድ ግበሮ
ኣብ ገዛ ዝለመደስ ፥ኣብ ዕዳጋ ከይዱ ኣይተፅምሙና በለ
ጠስሚ ኣብ ርእሳ ዘረባ ኣብ መልሓሳ
ኣብ ዝሑል ፀባ ዝለመደ ፅንፅያ ፥ ኣብ ውዑይ ፀባ እትዩ ሞተ
ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካ እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስካ
ቄልዓስ ይጐዩ እምበር ኣይቅድምን
ኣቦ ዘይብሉ ዘጋፍ ፤ ቤት ዘይብሉ ሃርጋፍ
ኣቦ ዘለዎ ዝበኪ ፤ ኣቦ ንዘይብሉ ከብኪ
እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ?
ኣእማን ዝፈናቕል ብተመን ይንከስ
ኣብዘይ ክእለቱ ፥ ይስበር ምሕኩልቱ
ኣቦኻ ዘይገበሮ ኣይትግበር ፥ ከበሮ ቀትሪ ኣይትህረም
ኣብ ዘይዓቕመን ፥ ይስበራ ዓፅመን
ንጥሙይ ቅጫ ንፅሙእ ዋንጫ
ንፈላሲ ዳዊት ንሕፈስታይ ነዊት ንቄልዓ ሰዊት
ማይ ኢላ ከይዳስ ማይ ረሲዓ አተወት
ማይ ከምዘይነፅፍ ዓሳ ከምዘይመውት
ጌጋ ዘርኢ ንሓደ ዓመት ጌጋ መውስቦ ንዝንተ እለት
ኣቦይ ፋሲል ፡ እዛ ሞትኩም ናይጥሜት ትመስል
ኣቦይ ፋሲል ፥፤ እዛ ኣዳቕሳኹምስ ናይ ጥሜት ትመስል
ንጥንቲ ዝኸውን ምኸር ፡፣ንስኒ ዝኸውን ንኸስ
ኣብ ከብዲ ፅጉብ የለን ጥሙይ
ጋሻ ፣ ዓሻ
ጋሻ ኣየሰንየኒ እንተቐነየኸ ይጠልመኒ
ንጓል ወዲ ዓዲ ይሕፀያ
ንጓል ወዲ ዓዳ የሕፅያ
ጠንቋሊ እንተዘይፈለጠ መምሰሊ
ኣቦይ ሰመረ ፤፥ ግራትኩም ሰብ ገበረ
እናፈለጠ ዝጋገ እናረኣየ ቅበሮ።
በላሕናያ ክብላስ ፃሕሊ ይዓጥና
በሊዑ ዘይምርቕን ዕዳጋ ውዒሉ ዘይጥይቕን ሓደ
ቆሪሶም ዘብልዕዎ ኣሚቶም ዝኸድንዎ ፡ ንምስክር ኣይፀውዕዎ
ቋቕስያ ናብ ጥራጥ
ቈልዓ አይወልድ ሓዊ አይፈርድ
ቆልመፅመፅ ዝኣመሉ ሕምባሻ ይልሕስ
ቃላት ዝደጋገሙ ኣይኮነን ንምስማዕ ፡ እንታይደኣ ንምፅናዕ
ማንቲለ ካብ ሓብታዶይ ትፍለ
ማአሰር ዘይብሉ ማእይ ይሰንዶይ
ማእሲ ረኺባስ ፈስያ
ማይ ነሓሰ ጥዑም እዩ ኣይስተን ዘረባ ድኻ ልኡም እዩ ኣይስማዕን
ጠስሚ ኣብ ከብዲ ከልቢ ኣይትሓድርን
ጊዜ ዘይገልፆ ምስጢር መንፊት ዘይግንፍሎ ክርዳድ የልቦን
ደሓን ደሕን ይብሉኻ ፡ ክሳብ ዝሓምሉኻ
ደረቐኛ ሓምሓም ፡ ንእምኒ ሓደጋ ትወድቃ
ደረቐኛ ቁንዉ ፡ ስር ኢሉ ናብ ቅርቅርቲ
ደረቐኛ ኣንጭዋ ፡ ኣብ ክሳድ ድመ ትሰራሰር
ደረቐኛ ኣንጭዋ ፣ ኣፍንጫ ድሙ ተሽትት
ኩነትካ ኣብ ቃልካ ውርዝነትካ ኣብ ህድኣትካ
ካባና ዘይሕሻ ብኣና ይውዕላ
ካብ መምህሩ ደቀመዝሙሩ ካብ ቀለም ከለም
እዝጊክ ሓዝንስ ወዲ ዋጣ ቀሺ ኾነ
እግርን መንገድን ከይተፈላለያ ይነብራ
ንጉስን ህበይን ባዕሉ ይኹምር ባዕሉ ይብትን
"ንፅሕፃሕ እግሪ ኣልዒልካሉ ንኸልቢ ሃዲምካሉ እቲ ኣይፅገስ እቲ
ኣይምለስ"
ንፅብሓት ተዋግአላ ንኣየት ተፋተወላ
ንፆም ግድፈቱ ንበዓል ስዕረቱ
ንፈላጥ ነገር ኣይትፈልጠሉ ንለባም ኣይተንጉሓሉ
ንፈላጥ ኣይትፍለጠሉ ንበሊሕ ኣይትቑረፀሉ
ንፉዕ ሕማቕ እንተወለደ ተዘምተ ሕማቕኝ ንፉዕ እንተወለደ ተቐልተ
ንፋስ ኣህሪምካ ንሰብ ኣስሚዕካ
ኣርሓ ከይሰወደ ፃህያይ ሱር ከይሰደደ
ኣርእዮም ኣይኸልኡኻ ፡ ኣስሚዖም ኣይጥለሙኻ
ኣርኪባስያ ዓርቢ ሞይታ
ኣሳጉማኡ ርእዮም ጭብጦኡ የሕድግዎ
ኣስሚዖም ካብ ዝጠልሙኻ ብኩናት ይውግኡኻ
ኣስተውዒልካ ትናገር ከይትርታፅ፡ ተዓጢቕካ ትቓለሰ ከይትምንታእ
ኣሻዓል ድኸነት ኣብ ቤት እንተገደፍካያ፡ ኣብ ግዳም ወፂኣ ተእዊ
ኣሽንኳይ ነፀላ ወሲኻትሉ መዛወሪ ፡ ብቐደማኳ ዘዋሪት እግሪ
"ኣሸንኳይ ንሞት ንእርጋን""ኳ ይፀንሕዎ በለ ኣንበሳ"
ኣሸንኳይ ንቤቱ ፡ ይተርፍ ንጐረቤቱ
ኣሻበኸን ሓደ ጣሳ ከይሰተኸን በለታ እንቁርዖብ ነንጭዋ
ኣቐምጥ ዝበልዎ ኣየጥፍእ ፡ ኣፀብኝ ዝበልዎ ኣየኸፍእ
ኣቐምጥ ዝበልዎ ዘጥፍእ ኣፀብቕ ዝበልዎ ዘኸፍእ ፡ ንሓዋሩ ክኸፍእ
ኣቡን ቀሺ ድዩም? ንንዳማቶምኳ ዘቐሽሹ
ኣቡኡ ዝላፃይኡ አዲኡ ዝተሓዚቱ ከይተጐድአ ይነብር
ኣቡኡን ኣዲኡን ዝሞቱሉ ፅግኢን ነግፊን ከም ዝገደፍሉ
ኣብ ልዕሊ ቆፀራ ኣይቋፀሩ ኣብ ልዕሊ ጥሉል ኣየቃፅሉ
ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣይፈርዱ ኣብ ልዕሊ ማይ ሓዊ ኣይኣጉዱ
ኣብ ልዕሊ ግዚ ኣይግዝቱ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ኣይኣጉዱ
ኣብ ሓባል እትረአ ኩሕሲ
ኣብ ሓው የለን ቀረባ ኣብ እምኒ የለን ዕምባባ
ኣብ መንጐ ክልተ ጎባይ ፡ ዝተሓብአ ብዕራይ
ኣብ ምሳሕ ዘይፀውዕዎ ደብተራ የላዓዕል ሻራ
ኣብ ክሳድ ሓዲዳ ኣላትኒ ዕዳ